ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝወጽኡ ሕግታት – ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንምቕያድ ይውዕሉ
ስእሊ፥ ጌቲ ኢሜጅስ / ካርል ኮርት
ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ሰብኣዊ ሓገዛት ንስደተኛታት ብምቕያድ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ሰባት ናብ ሃገረን ንምግታእ ዝተኽለኦም ዘለዋ ሕግታት ብዝጠንቊ ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ቀጻሊ ጠመተ ይኣትው ምህላዎም ‘ትካል ርክባት ባህልታት’ ማለት IRR ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መርመራኡ ሓቢሩ።
ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ ልዕሊ 45 ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝነጥፉ ውልቀሰባት ብሕግታት ምስግጋር ሰባትን ኤሚግሬሽንን ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ተኸሲሶም ናብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ እዩ እቲ ትካል ሰኒዱ ዘሎ።
ሓያሎ ስደተኛታት ምስ’ታ ብሓልዮተን ዝዝለያ ኣደይ ተሬዛ ዘመሳስሉዋን፡ ነቶም ኣብ ዶብ ዓዲ-ጥልያንን ስዊዘርላንድን ዝዕገቱ ስደተኛታት መግብን ግዝያዊ መጽለሊን ብወለንታኣ ትቕርብ
ምንባራ ዝተነግረላን ኋል 43 ዓመት ስዊዘርላንዳዊት – ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ፍርዲ ቀሪባ ብዘይኣላዪ ዝተሰዱ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ሃገር ኣእቲኺ ኣብ ትሕቲ ዝብል ክሲ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ድሒሩ ዝተፋኾሰ ናይ 80 መዓልታት ማእሰርቲን ከምዝተበየነላ ፡ ‘ትካል ርክባት ባህልታት’ ኣብ መጽናዕቱ ከም ኣብነት ዝጠቐሶ እዩ።
ኣብ ካሌ ናይ ፈረንሳን ከባቢኡን ንስደተኛታት ሓጊዝካን ስደተኛታት ብኣባላት ጸጥታ ይብደሉ ከምዘለው ኣውዓዊዕካን ተባሂሉ ብፍርዳዊ መስርሕ ዝሓለፈ ፈረንሳዊ፡ ሮያ-ቺቱዌ ምስዝተባህለ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካል ሓቢርኩም ንስደተኛታት መግቢ ኣከፋፊልኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ሰለስተ ፈረንሳውያንን ሓደ ብሪጣንያውን እውን ገለ ኣብ’ቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተዘርዘሩ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ወለንታውያንን እዮም።
‘ትካል ርክባት ባህልታት’ ኣብ መርመራኡ፡ ነተን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ወለንታውያንን ንስደተኛታት መግቢ፡ማይን መጽለሊን ሂብኩም ተባሂሎም ዝጥመቱለንን ዝቕጽዑለንን ሃገራት ኤውሮጳ እዩ ኣለሊዩ ዘሎ።
ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ማለት Frontex፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ሂወት ዝነጥፋ ትካላት ረድኤት ምስ ኣሰጋገርቲ ጉጅለታት ብሓባር እንዳሰርሓ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ይገብራ ኣለዋ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እዋናዊ መጽናዕቲ ‘ትካል ርክባት ባህልታት’ ብዛዕባ እቲ ክሲ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ግና ፡ እቲ ክሲ ሰብ መዚ ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንሰብኣዊ ስራሓት እተን ትካላት ረድኤት ንምጽላም ዝኣለምዎ ከምዝኾነ’ዩ ወቒሱ።
‘ትካል ርክባት ባህልታት’ ኣብ መወዳእታ ፡ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ንሰብኣዊ ክብርታት ዘለዎ ደገፍ ከሐይልን ንሰብኣውያን ጉጅለታት ካብ ምጽላም ክቚጠብን መጸዋዕታ ከቕርብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ