ሕብረት ኤውሮፓ ዜጋታተን ንዘይወስዳ ሃገራት ቀይድታት ቪዛ ኸተኣታቱ
ሕብረት ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ ስደት ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ዜጋታተን ክወስዳ ፍቓደኛታት ንዘይኰና ኣፍሪቃውያንን ካልኦትን ሃገራት ናብ ኤውሮጳ ዘእቱ ቪዛታት ኣብ ዝሓታሉ ቀይድታት ከተኣታቱ ተሰማሚዑ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ስምምዕ ዝበጽሐ ኣብ ብራስለስ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ዀይኑ፡ “እንተላይ ምኽላስ ኣገባብ ኣወሃህባ ቪዛ ናብ ሳልሳይ ሃገራት ዘጠቓልል ኩሉ ዝከኣኣለና ዘበለ መደገፍታታት ክንጥቀም፡” ተሰማሚዑ።
ላዕለዎት ኣካላት ዝውክሉ ዜጋታት እተን ሃገራት ዝረኽብዎ ቪዛ ኣጸጋሚ ምግባሩ እንታይ ረብሓ ኽርከቦ ኸምዝኽእል ክገልጽ ከሎ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ፡ “ቪዛታት ብምኽልካል ተመለስቲ ኽወስዱ ከነእምኖም ንኽእል ኢና፡” ይብል።
እዚ ሓድሽ ስጕምቲ ብዙሓት ካብቶም ገማግም ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ንዑቕባ ዘይበቕዑ ናይ ቁጠባ ተሰደድቲ እዮም ።
ሕብረት ኤውሮጳ ገለ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዑቕባ ምእንቲ ኽወሃቡን ንምጥራዞም ኣሸጋሪ ንምግባሩን ኢሎም ናይ መንነት ሰነዳቶም ዘዕነዉ ዜጋታተን ክወስዳ ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ኣዝዩ ሕጉስ ኣይኰነን። ናይ ቪዛ ቐይድታት ነቲ ኤውርጳ እትገብሮ ዝያዳ ሰባት ናብ ሃገራቶም ናይ ምስዳድ ጻዕሪ ዝሕግዝ ምትሕብባር ካብ ወገን ሃገራት ኣፍሪቃ ኽፈጥር ተስፋ ይግበረሉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ