ኣብ ባሕሪ ዝደሓነ ኤርትራዊ ብሰንኪ ብርቱዕ ዓጸቦ ሞይቱ
ሰዓታት ድሕሪ ኢጣልያ ምብጽሑ፡ ኣብ ባሕሪ ዝደሓነ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ብርቱዕ ዓጸቦ ህይወቱ ኸምዝሓለፈት ሓንቲ ስጳኛዊት ማሕበር ምድሓን ህይወት ብ13 መጋቢት ሓቢራ።
እቲ ሰገን ተባሂሉ ዝተጸውዐ ወዲ 22 ዓመት ሓደ ኻብቶም ብ11 መጋቢት ስጳኛዊት ማሕበር ምድሓን ህይወት ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ ዘድሓነቶም 93 ተስፋ ዝቐብጹ ዝነበሩ ስደተኛታት እዩ። እታ ህይወት እተድሕን ጃልባ ብ10 መጋቢት ኣብ ማእከል ባሕሪ ፋሉል ከንሳፋፉ ኸለዉ እያ ረኺባቶም።
መስራቲ እታ ህይወት እተድሕን ማሕበር ዝዀነ ኦስካር ካምፕስ ብ13 መጋቢት እዩ ካብ ሓንቲ ኣብ ሲቺልያ እትርከብ ሆስፒታል ሞት ሰገን ኣብ ትዊተር ኣርዲኡ፡ “ን19 ኣዋርሕ ኣብ ሊብያ ተኣሲሩ ዝነበረ ኤርትራዊ እዩ።”
“መን ይፈልጥ ንኽንደይ ዝኣክል ከይበልዐ ኸምዝጸንሐ። ውሽጣዊ ኣካላቱ ዝተሓላለፈ ውድቀት በጺሕዎ እዩ ዝሳቐ ኔሩ፡ ዓስከሬኑ ጥራይ እዩ ተሪፉ ኔሩ፡” ይብል ካርሜሎ ስካርሶ ዝተባህለ ዶክተር ምስ ጋዜጣ ላ ረፑብሊካ ኽዘራረብ ከሎ።
“ብዙሓት ዝሳጸዩ ስደተኛታት ራኢና ኢና፡ ከምዚ ናይዚ ግና ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ፡” ይብል።
እቲ መንእሰይ ብሰንኪ ዝሓለፎ ዓጸቦን ብርቱዕ ጸገማት ምስትንፋስን ኣብ ኣፈፌት ሞት እዩ በጺሑ እዩ ኢጣልያ ኣትዩ። እታ መርከብ ምስተዓሸገት ብኡ ንብኡ ናብቲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ዝዓረፈሉ ሆስፒታል እዩ ተሰጋጊሩ።
ሰገን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት እኳ እንተዓረፈ፡ እቶም ኣባላት መርከብ ግና ኣብ ካብ ናቱ ዝገድድ ኩነታት ዓጸቦ ዝነበሩ ክልተ ኻልኦት ሰባት ብህጹጽ ካብታ መርከብ ከምዘግዓዝዎም ይገልጹ።
ብዙሓት ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ብሕሉፍ ዓጸቦ፡ ሕሉፍ ድኻምን ጽምእን ዘሳቕዮም ዝነበረ እዮም።
“ትማሊ ኣስካሕካሒ ምርጋፍ መርከብ ኢና ርኢና፤ ኣብቲ ክድሕን ዘይከኣለ መንእሰይ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ኩላቶም መጓዕዝቱ ኢና ኣሰንባዲ ዓጸቦ ርኢና፡” ኽብል ንጋዜጣ ላ ረፑብሊካ ሓቢሩ ኸንቲባ ፖሳሎ፡ ሮቤርቶ ኣማቱና።
“ኩላቶም ዓጽምን ቈርበትን ጥራይ እዮምተሪፎም፡ ካብ መዳጐኒ መዓስከራት ናዚ ዝወኡ እዮም ዝመስሉ ኔሮም…ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ኔሩ፡” ይብል ኣማቱና።
“ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ዓበቕ ኔርዎም፡ እንተዀነ እቲ ቐንዲ ዘሰምበደና ዕብራኖም እዩ። ሰብኡት፡ ኣንስቲ፡ ቈልዑ፥ ኩላቶም ኣብዛ ነብሶም ስጋ ትብሃል ዘይብሎም፡ ኣዕጽምቲ ጥራይ ዝተረፉ እዮም፡” ይብል።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ