ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኣብ ዘጋጠመ ጐነጽ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብርቱዕ ይጕድኡ
ኣብ ካሌ፡ ሰሜን ፈረንሳ፡ ሰለስተ እዋን ኣብ መንጎ ኣፍጋኒስታናውያንን ኤርትራውያንን ዘጋጠመ ናይ ጉጅለ እምባጋሮ፡ 5 ኣብ መንጎ 16ን 18ን ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን ብተዅሲ ጥይት ብዝወረዶም መቝሰልቲ እቶም ኣርባዕተ ሞት ከስዕብ ዝኽእል መጕዳእቲ ወሪድዎም። እቶም ኣርባዕተ ግዳያት ናይ ክሳድ፡ ኣፍልቢ፡ ከብድን ዓንዲ ሕቖን መውጋእቲ እዩ ኣጋጢምዎም። ካልኦት 22 ድማ ኣብ ትሕቲ ኽንክን ሕክምና ይርከቡ።
ድሕሪ’ቲ ተዅሲ ክልተ ግዜ እምባጋሮ ተላዓዒሉ። እቲ ኻልኣይ ካብ 150 ክሳብ 200 ዝዀኑ ሓጻውንን ኣባትርን ዝሓዙ ኤርትራውያን ምስ 20 ኣፋጋናውያን ምስተጋጨዉ ካልእ ተወሳኺ መጕዳእታት ኣጋጢሙ። ብመሰረት ጸብጻባት ሓደ ወዲ 37 ዓመት ኣፍጋናዊ ኣስጋሪ ኣብ ሪጋ መግቢ ኣብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከምዝተኰሰን ነቲ ኻልኣይ ግጭት መኽንያት ተፈሊጡ።
ከንቲባ ካሌ ናታሻ ቦሻርት ከተማኣ ብውጹእ ኲናት ጉጅለታት ከምዝተጨነቐት ገሊጻ።
“እዞም ውዱባት ምዃኖም ርኡይ ዝዀነ ገለ ጉጅለታት ስደተኛታት ዝኸፍትዎ ዂናት እናኸፍአ ዝኸይድ ጐነጻዊ ኹነታት ኣብዚ ንዘለዉ ህዝቢ ኣሰምቢድዎም እዩ ዘሎ፡” ይብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዠራርድ ኮሎም ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ።
እቲ ምሩር ጫካ ካሌ ኣብ 2016 ፈሪሱ እኳ እንተዀነ ክሳብ 800 ዝበጽሑ ስደተኛታት ናብ እንዝሊዝ ክሰግሩ ብምትስፋው ገና ኣብቲ ከባቢ ይቕመጡ ኣለዉ።
ስደተኛታት ናብ እንግሊዝ ንኽሰግሩ ክሳብ 3,000 ዩሮ ክኸፍሉ ዝሕተቱ ክዀኑ ኸለዉ፡ ሚስኒትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ነዚ ጐነጽ ብምብግጋስ ነቶም ኣስገርቲ ይኸስስ።
ሚኒስተር ኮሎምብ መንግስቲ ፈረንሳ ንስራሕ ምዕዳል ካብ ናይቲ ኸባቢ ጉጅለታት ረድኤት ዝመጽእ መግቢ ክቘጻጸሮ ይደሊ ኸምዘሎን፡ ካብታ ኸተማ ወጻኢ ከምዝኸውን ክገብር ከምዝደልን፡ እዚ ድማ ስደተኛታት ኣብ ካሌ ኸይእከቡ ክኽልክል ምዃኑ ይገልጽ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፈረንሳዊ ፕረሲደንት ኢማንዌል ማክሮ፡ “ኣብዚ ካልእ ‘ጫካ’ ኽፍጠር ፈጺምና ኣይነፍቅድን ኢና፡” ኽብል ኣፍሊጡ ኔሩ። ምስ እንግሊዝ ዝተበጽሐ ኣብ ካሌ ተወሳኺ ጸጥታዊ ስጕምትታት ዘውስድ ሓድሽ ጸጥታዊ ስምምዕ ከፍልጥ ኣብ ዝሃቦ ቓል እዩ ነዚ ዝተጠቕሰ መግለጺ ኣስሚዑ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ