ካብ 2014 ንደሓር 1,200 ህጻናት ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይግለጽ- እቲ ሓቀኛ ቑጽሪ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት

ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም። ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ህጻን ካብ ባሕሪ ኽድሕን ከሎ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ካብ 2014 ንደሓር ልዕሊ 1,200 ዝሞቱ ህጻናት ክምዝግብ ከሎ፡ ዳርጋ ፍርቆም ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ዝጠፍኡ ምዃኖም ተገሊጹ።

እቲ ውድብ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዋሕዲ ሓበሬታ እቲ ሓቀኛ መጠን ናይዚ ህልቂት ክጽብጸብ ከምዘይክእል ይገልጽ።

“12.5% ናይ ኩሎም ስደተኛታት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ከም ምዃኖም፡ እቲ ሓቀኛ ቝጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን እዩ ዝኽእል። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ዝስደዱ ህጻናት ይውስኽ እዩ ዘሎ፡” ይብል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ውድብ። “ንኣብነት፡ ርብዒ ዝዀኑ ናይቶም ሓደ ሚልዮን ኣብ 2015 ብባሕሪ ኣቢሎም ግሪኽን ኢጣልያን ዝኣተዉ ስደተኛታት ህጻናት እዮም ኔሮም፥ ካብቶም ናብ ኢጣልያ ዝኣአዉ ድማ እቶም 72% ዘሰኒ ኣይነበሮምን።”

ሕቀኛ ዕድመ ናይ 21% ናይቶም ህጻናት ጥራይ ብንጹር ዝፍለጥ ክኸውን ከሎ፥ 58 ትሕቲ ዓመት ዝዕድሚኦም ናጽላታትን 67 ካብ ዓመት ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ጠፊኦም።

ምጥሓል እቲ ቐንዲ መኽንያት ሞት ክኸውን ከሎ፥ መብዛሕትኦም ካብቶም 681 ዝተመዝገበ ሞት ህጻናት ማእከላይ ባሕሪ ወይ ወሽመጥ ቤንጋል ኣብ ምስጋር ዘጋጠመ እዩ።

ሓደጋታት መካይን፡ ኣብ እዋን ናይ ጽርግያ ጕዕዞ ምዕባስ፡ ኣብ ክፉእ ኣከባቢ ምጽናሕ፡ ዓመጽን ሕማማትን ቀንዲ ቐተልቲ ህጻናት ኣብ ጕዕዞ ስደት ኰይኖም ተረኺቦም።

ኣብ ቀረባ ኣብ ሊብያ ጥቓ ከተማ በኒ ወሊድ ልዕሊ 200 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ናይ ኣስገርቲ መኪና ምስተገጠለት ኣርባዕተ ቘልዑ ሞይቶም።