ሊብያን ጥልያንን ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ሓባራዊ ክፍሊ ስርሒት ከቚማ

ስእሊ፡ ኤቢኤስ-ሲቢኤን ኒውስ። ኣብ ማያዊ ገማግም ትሪፖሊ ናይ ሊብያ ብኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ዝተታሕዙ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት።
ሊብያን ጥልያንን ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ኣሰጋገርቲን ኣብ ምግታእ ዝወፍር ሓባራዊ ክፍሊ ስርሒት ከቚማ ከምዝተሰማማዓ ተሓቢሩ።

እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ መራሒ’ቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ሓባራዊ መንግስቲ ሊብያ ፋይዝ ሲራጅን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ዓርፍ ኾጃን ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማርኮ ሚኒቲ ብ 9 መስከረም ናይ 2017 ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ተራኺቦም ድሕሪ ምምይያጦም እዩ።

እቲ ክፍሊ ስርሒት – ካብ ሓለዋ ባሕሪ፡ ኣሃዱ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት፡ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕግን ክፍሊ ስለያን ክልቲአን ሃገራት ንዝተዋጽኡ ኣባላት ክጥርን ከምዝኾነ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ እቲ ክፍሊ ኣበየናይ ቦታ ከምዝድኮን ብኸመይ ከምዝሰርሕን ግና ዛጊት ከምዘየተጸረ ይገልጽ።

“ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ስደት ደሓን ዝኾነ ዓወት ተመዝጊቡ’ኳ እንተሃለወ፡ ቊጽሪ ናይቶም ካብ መዓስከራትን መአከቢ ማእከላትን ወጻኢ ዝነብሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ልዑል ብምህላው ሓባራዊ ስራሕ የድልየና ኣሎ። ብፍላይ ኣብቶም ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ዝምዝገበሎም ደቡባዊ ዶባት ሊብያ ዕቱብ ጸጥታዊ ወፍሪ ከነስምር ኣገዳሲ እዩ፡” ይብል ኣቶ ስራጅ።

ሊብያ ቀንዲ መሰጋገሪት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኮይና ምህላዋ ዝሕበር ኮይኑ፡ ቊጽሪ’ቶም ካብ ማያዊ ገማግም እታ ሃገር ዝብገሱ ስደተኛታት ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት ብርኡይ ከንቆልቊል እዩ ዝረአ ዘሎ። መሰረታዊ ምኽንያት እቲ ምንቊልቃል ድማ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሊብያ ብጸቕጥን ሓገዝን’ተን ከም ጥልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ምድቓቕ ኣሰጋገርቲ ጉጅለታትን ልዕሊ ካልእ እዋን ይሰርሓ ብምህላወን እዩ።

ጥልያንን ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ነቲ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ዝውሕዘ ልዑል ቊጽሪ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምኹላፍ ኣበርቲዐን ይሰርሓን፡ ነዚ ክውን ንምግባር ድማ ህላዌአን ኣብ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ ከሐይላን ንኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኩሉዓይነታዊ ሓገዛት ክቕርባን ይረኣያ ምህላወን እዩ ዝንገር።