ጀርመን፡ መነባብሮ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንምምሕያሽ ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትህብ
ጀርመን ሕሰም መነባብሮ እቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከላትን መዓስከራትን ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ከምዝውዕል ዝገለጸቶ ተወሳኺ 3.5 ሚልዮን ኤሮ ከም ሓገዝ ክትህብ ምዃና ገሊጻ።
ጀርመን ብመንገዲ እቲ ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይ ወርሒ ሰነ ናብ ከተማ ትሪፖሊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሲግማር ጋብሪኤል እያ ነቲ መግለጺ ሂባ።
ሚኒስተር ጋብሪኤል ኣብ መግለጺኡ፡ ኩነታት እቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዚዩ ሓሲሙ ከምዘሎ፡ እቲ ክሳዕ 2018 ክወሃብ ተሓሊኑ ዘሎ መጠን ገንዘብ ድማ ግብረመልሲ ነቲ ካብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ዝቐረበ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣሰካፊ መልክዕ ይሕዝ ከምዘሎ ዘተሓሳስብ ጻውዒት ከምዝኾነ ጠቒሱ፡ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ወሰኻ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጀርመን እጃማ ከተበርክተሉ ዝተሰማምዐት ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝሰላሰል ናይ 100 ሚልዮን ኤሮ ዞባዊ ፕሮግራም ከምዝኸውን ኣስሚሩሉ።
ሚኒስተር ጋብሪኤል ድሕሪ ናይ ከተማ ትሪፖሊ መገሻኡ፡ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራትን መዓስከራት ስደተኛታትን ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዘሕፍር ከምዝኾነ ብምትሕስሳብ፡ እቲ ኩነታት ንኽመሓየሽ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ስራሕ ይጽበዮ ከምዘሎ’ዩ ኣገንዚቡ።
እቲ ጀርመናዊ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ሊብያ ናብ ስምምዕ ዘምርሑወን ስላማውያን መንገዲታት ከናዲያ ብምጹዋዕ፡ ነዚ ክውን ንምግባርን ሰላማዊ ዘተ እቲ እንኮን ዘላቒን ኣማራጺ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።
“ዕላማና ክንወቅዕ እንተደኣ ኮይና ፡ ንትዂል ተገማሚዖምን ተተፋኒኖምን ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሊብያ ኣብ ፍልልያቶም ሕድገታት ንምግባር ቅሩባት ክኾኑ ኣለዎም። እቲ ቅሩብነት እንተሃሊዩ እዩ ድማ ኣብ’ታ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው ተዓሪዩ ሊብያ ካብ ሃገራዊ ውድቀት ክትድሕን እትኽእል፡” ይብል እቲ ጀርመናዊ ሚኒስተር።
ጀርመን ነዚ ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ተቕርብ ዘላ ውሑዳት መዓልታት ድሕሪ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ናብ ሊብያ ምብጻሑን ኣብ ሊብያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ስደተኛታት ከምዘሰንበዶ ምግላጹን እያ። ኮሚሽነር ግራንዲ ናብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ ማእከላትን መዓስከራት ስደተኛታትን በጺሑ ምስ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ኣብ’ቶም ማእከላት ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከምዘተሓሳሰቦን፡ መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ኣሰካፊ ተርእዮ ድማ ዋሕዲ ገንዘባውን ዓይነታውን ቀረባት ምዃኑ እዩ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽነት ድሕሪ ቀጥታዊ ትዕዝብቱ ሓቢሩዎ ከምዘሎ፡ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝጸንሖ ህላዌ ከስፍሕን ኣብታ ሃገር ዘውፍሮም መደባት ከሐይልን ምዃኑ’ዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ