ጥልያን ቀዳማይ እብረ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣሰልጢና

TMP – 24/02/2017

ጥልያን ከም ኣካል ናይቲ ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ዝብገስ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ምስ ሊብያ እትገብሮ ምትሕብባር፡ ቀዳማይ እብረ ስልጠና ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዛዚማ።

እቶም 78 ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጥቅምቲ 26 ኣብ ኢጣልያዊት መርከብ ሳን ጆርጆን ሆላንዳዊት መርከብ ሮተርዳምን ስልጠና ጀሚሮም። እቲ ስልጠና ከም ክፋል ናይቲ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮፓ ዝግበር ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ዝቘመ ስርሒት ሶፊያ ናይ ሕብረት ኤውሮፓ ኰይኑ እዩ ተዳልዩ።

ብዛዕባ እቲ ስልጠና ንሽማግለ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጥልያ ማርኮ ሚኒቲ፡ እታ ሃገር ነቲ ስደተኛታት ዝኣትዉሉ ደቡባዊ ዶባታት ሊብያ ከተውሕስን ሓለዋ ባሕራ ኣሐይላ ስደተኛታት ናብ ጥልያን ከይብገሱ ኽትገብርን ብምሕጋዝ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ክትዓግት ከምዝመደበት ገሊጹ።

ሚኒቲ፡ ሊብያውያን ኣበርክቶኦም ክገብሩ ምዃኖም ይነግሩናን ንሕና ንሓለዋ ባሕሮም ምርሒት ብምቕራብ ክንድግፎም ይሓቱናን ኣለዉ፡” ክብል ነቶም ኮሚቴ ተዛሪብዎም።

ሓፈሻዊ ዕላማ ናይቲ ልምምድ ሓይሊ ናይቶም ምስጋርን ምስግጋርን ሰባት ዘካይዱ ጉጅለታት ንምድኻም ዘሎ ዓቕሚ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምሕያልን ድሕነት ንምምሕያሽን እዩ።

እቲ ስምምዕ ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ሊብያ ዝተበጽሐ ሓፍሻዊ ስምምዕ ምዕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት መሰረት ኰይንዎ እዩ። ብ3 ለካቲት መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንሓይልታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምዕጣቕን ብምድጋፍን ንጉጅለታት ኣስገርቲ ምዝራግን ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ኸይብገሱ ንምዕጋትን ኣብ ዝዓለመ ዝሰፍሐ መደብ ተሰማሚዖም። እቲ መደብ ምስ ቱኒዝያን ግብጽን ብምትሕብባር ቅያር ዝዀኑ መስመራት ስደት ንምዕጻውን፡ ኣማራጺታት ንምቕራብ ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ዝቕመጡሎም መዕቈቢ መዓስከራት ምትካልን ዝብል ሓሳብ ዘጠቓልል እዩ።

እቲ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ጥልያንን ሊብያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝቘመ ሽማግለ ኣብ መጋቢት ተኣኪቡ ብዛዕባ ዝሓሸ ስደተኛታት ዝምለሱሉ ኣገባብ ክዘራረብ እዩ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ ጆሰፍ ሙስካት ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ሊብያን ዝተበጽሐ ስምምዕ “ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምእላይ ዘመዝገብናዮ ሓደ ናይ ፈለማ ንጹር ጨመተ፡” ክብል ክገልጾ ኸሎ፡ ፕረሲደንት ቤትምኽሪ ኤውሮጳ ዶናልድ ታስክ እቲ ስምምዕ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ንምዕጋት “ናይ ፈለማ ተጨባጢ ስጕሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፡” ክብል ገሊጽዎ።