ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ልዕሊ 13,000 ናይጀርያውያን ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

መንግስቲ ናይጀርያ ብ31 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ሕዳር ክሳብ ጥሪ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ ልዕሊ 13,000 ዜጋታቱ ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰ ኣፍሊጡ።
ናይጀርያውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝበዝሑ ደቂ ሓንቲ ሃገር ዜጋታት እዮም። ኣብ ፈለማ ጥሪ፡ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኩሎም ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ክምለሱ ድሌት ዘለዎም ዜጋታታ ኸተውጽእ ተበግሶ ወሲዳ።
“እቲ ቐንዲ ዕላማ፡ ቀንዲ ኣድህቦና ድማ ኣብዚ ዓላማ’ዚ እዩ፡ ነዞም ናይጀርያውያን ዜጋታት ብዝቐልጠፈ ናብ ሃገሮም ምምላስ እዩ፡” ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ጆፍሪ ኦንየማ ኣብ ፈለማ ጥሪ ናብ ትሪፖሊ ኣብ ዝበጽሓሉ ንጋዜጠኛታት ገሊጹሎም።
ወሲኹ፡ “ፕረሲደንትና ኣብዚ ዝርከቡ ዜጋታትና ናብ ሃገሮም ክጣየሱ ዘኽእል ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ንዋት ንጥቕሚ ድሉው ንኽከውን ኣፍቂዱ እዩ፡” ኢሉ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ድሕሪ’ቲ ብጥቅምቲ ብቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ዝተፈነወ መሸጣ ባራዩ ኣብ ሊብያ ዘርኢ ስእልታት ምስተፈነወ ዝተመልሱ 13,000 ስደተኛታት፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ዅነታት ነቲ ቑጽሪ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ ዝገብር እኳ እንተዀነ፡ ተወሰኽቲ 5,500 ስደተኛታት ክትመልስ ትጽቢት ትገብር።
“ገለ ኻብቶም ንጹር ኣሃዝ ምርካብ ዝዓግቱ መኽንያታት ገለ ኻብቶም ስደተኛታት ኣብ መዕቈቢታት እቲ ማእከላይ መንግስቲ ዘለዉ ክዀኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ከኣ ብርግጽ ካብ መዕቈቢታት ወጻኢ ዘለዉ እዮም፥ ካልኦት ድማ ምሉእ ቍጽጽርን ስልጣንን ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ንምብጽሑ ኣጸጋሚ ቦታታት ዝርከቡ እዮም፡” ይብል ኦንየማ።
ንኣሽቱ ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ዝሓለፈ ሓምለ ስደተኛታት ምሕላፍ ካብ ዝዓግቱ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ተኸርዲኖም፡ ብርቱዕ ኩነታትን እንተላይ ግዱድ ስራሕ ዘጠቓልል ዓመጻትን የጋጥሞም ኣሎ።
ብጥቅምቲ ኣብ መዳጐኒታት ስደተኛታት ሊብያ ብዛዕባ ዘሎ ሕሱምን ጽቕጥቅጥ ዝበዝሖን ኩነታትን ብዛዕባ ወረታት መሸጣ ባራዩን ዜናታት ካብ ዝስማዕ፡ ኣህጉራዊ ኣድህቦ ኣብ ኩነታት እቶም ኣብ ሊብያ ዝተኸርደኑ ስደተኛታት ተሓዲሱ እዩ።
ኣይ ኦ ኤም፡ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፥ 432,574 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ክቘጽር ከሎ፡ ግምታት ግና ካብ 700,000 ክሳብ ሚልዮን ክበጽሑ ኸምዝኽእሉ ይእምት።
ኣብ 2017 ኣይ ኦ ኤም ብጠቕላላ 19,370 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገራቶም መሊሱ። እተን 4 ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝተመልስወን ሃገራት ናይጀርያ፡ ጋምብያ፡ ጊኒ ኮናክሪን ማሊ እየን።