ፈረንሳ ኣብ ዳንከርክ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክትዓጽዎ

TMP – 05/04/2017

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ብሩኖ ለ ሩ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ዳንከርክ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክዕጾ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዝሒ ኣብ መዓስከር ግራን-ሲንት ዝርከቡ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ሕዳር ኣብ ካሌ ዝነበረ መዓስከር ዝተዓጽወሉ ኣዋን ንድሓር ናብ 1,500 ወሲኹ።

ኣብ ዳንከርክ ብቐጻሊ ዝስማዕ ጸብጻባት ዓመጽ፡ ጾታዊ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ክስማዕ ዝብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብዚ ሒደት ኣዋርሕ ክልተ ሰባት ብጥይት፡ ክልተ ድማ ብኻራ ተቐቲሎም። ብ14 መጋቢት ናዕቢ ዝቈጻጸሩ ፖሊስ ምስ 200 ነቲ ናብቲ መዓስከር ምእታው ዝኽልክል መዕገቲ ስደትኛታት ዘቃጸሉ ስደተኛታት ተጓኒጾም።

ለ ሩ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ “ሎሚ እቲ ሕቶ ብዛዕባ ሓባራዊ ስርዓት ምኽባር ኣይኰነን። ሎሚ ቀስ ብቐስ ነቲ መጽለሊ ንኣልየሉ እዩ። ነገራት ብከምዚ ክቕጽሉ ክንፈቅድ ኣይንኽእልን ኢና።”

እቲ መጽለሊታት ብገለ ነቲ ኸም መሕጸቢ ኣካላት ዝኣመሰለ መሳለጢታት ዝቈጻጸሩን፡ ተቐማጦ ንኽጥቀሙሉ ዋጋን ለቓሕን ዝሓቱን ጉጅለታት ከምዝተቘጻጸርዎ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ እቲ መጽለሊ ናብቲ ኸባቢ ተወሰኽቲ ስደተኛታት ይስሕብ ከምዘሎ ደምዲሙ።

ብዙሓት ካልኦት ስደተኛታት ኣብ ጥቓ እቲ ዝፈረሰ መዓስከር ካሌ ኣብ ዝርከብ ጫካ ይድቅሱ ኣለዉ። ከንቲባ’ታ ንእሽቶ ኸተማ፡ ሰባት ናብኡ ኸይመጹ ንምኽልካል ንስደተኛታት መግቢ ምዕዳል ዝኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኣ እያ።