ባንክ ዓለም – ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምግታእ ዝዕላማኡ መደብ ንምዕማም 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ሂቡ።
ባንክ ዓለም ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምግታእ ዝዕላማኡ መደብ ንምዕማም ፣ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምዝሃበ ካብ’ታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።
እቲ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ 2017 ዝጅምር መደብ ፥ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ንዘለዉ ስደተኛታት ማሕበረ-ቊጠባዊ ሂወቶም ብምምሕያሽ፣ እቶም ስደተኛታት ንዝተናዉሐ ስደት ከየቋምቱ ንምድራኽ ዝዓለመ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ ክልላት ትግራይ ፣ ጋምቤላ፣ ቤንሽንጉል-ጉሙዝ፣ ዓፋርን ሶማሊን ናብ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታት ኣነጻጺሩ ከምዘሎ ዝንገረሉ እቲ መደብ ፥ ንስደተኛታትን ነበርቲ እተን ክልላትን ዝኾኑ ዜጋታትን ሓዊስካ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ይግመት።
ንምጅማር’ቲ ረብሓኡ ገዚፍ ከምዝኸዉን ተኣሚቱ ዘሎ መደብ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ‘ሰማራ’ ናይ ክልል ዓፋር ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽንብል ፥ ሚኒስተር ሃብቲ ጥሪትን ዓሳን እቲ ክልል ዶክተር ሚስራቅ መኮነን ፥ እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ ኣብ ምብራኽ ደረጃ መነባብሮ ስደተኛታትን ነበርቲ እተን 5 ክልላት ዝኾኑ ዜጋታትን እወታዊ ተራ ዝህልዎ ትሕተ-ቅርጺ ዘንጽፍ ከምዝኾነ ኣረዲኣ።
ኢትዮጵያ፣ ሓለፋ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሪፓብሊክ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ከምዝኾኑ ዝንገረሎም ኣስታት 800,000 ስደተኛታት ኣዕቊባ ዘላ ሃገር ከም ምዃና መጠን፣ እዚ ብ ባንክ ዓለም ልዑል መጠን ገንዘብ ተቐሪቡሉ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ፣ ነቶም ነታ ሃገር ከም መሰጋገሪ እንዳተጠቐሙ ብመንገዲ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝህቅኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ሃገራቶም ከየርሓቚ ህይወቶም ንኽመርሑ ከኽእል እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ