ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣሰጋገርቲ ብጽኑዕ ክእሰሩ ፈሪዱ

ኣብ ዓመተ 2015፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ-ሰብ ንዝነጥፉ ገበነኛታት ብትሪ ዝቐጽዕ ሕጊ ዘሕለፈ

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፥ ተግባራዉነት እቲ ሕጊ ከካዉን ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ላዕለዋ ቤት

ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይ`ዛ ዓመት ኣብ ምስግጋር ሰባት ወፊሮም ከምዝጸንሑ ንዝተነግረሎም ሽዱሽተ

ኢትዮጵያውያንን ሓደ ኤርትራዉን ካብ 6 ክሳዕ 10 ዓመተታት ብጽኑዕ ክእሰሩ ወሲኑ።

እቶም ገበነኛታት ብዉህሉል መለሳ ከባቢ 45,000 ዶላር ኣሜሪካ ንልዕሊ 75 ሰባት ናብ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን

ከምዘስገሩ ፣ ብዘይካ እዚ ኣብ ልዕሊ ዘስገርዎ ሰባት ኣካላዉን ጾታውን በደላት ከምዝፈጸሙ፥ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት

እዉን ገንዘብ ክኸፍሉ ዓቕሚ ንዝሓጸሮም ሰጋሮ ኣብ ጭዉያን ድለላ ጭዉያትን ናብ ዝነጥፋ ጉጅለታት ከምዝሸጥዎም

እዩ እቲ ንዓመታት ክእሰሩ ዘፍረዶም ክሲ ዘነጽር።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ኣዕቚባ ዘላ ሃገር እያ። እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ

ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕትኦም ዜጋታት ኤርትራ፣ ደቡብ

ሱዳንን ሶማልን ዝኾኑ ከባቢ 800,000 ስደተኛታት ተዓቚቦም ኣለው። ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ብመንገዲ

ሱዳን ናብ ሊብያ በጺሖም ጉዕዞ ንኤውሮጳ ዝምድቡ ብምዃኖም ድማ፣ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግዲን ደቂ-

ሰብ ኣብ ዝዝርጋሓሉን፣ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝግመት ገንዘብ ኣብ ዝምዝመዘሉን መርበብ ዝወፍሩ ጉጅለታት

ንኢትዮጵያ ከም ስብሕቲ ባይታ ይርእዩዋ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲን ደላሎን ካብ ልዕሊ 5 ዓመት ክሳዕ ንሕለፍትን ሞትን ዝኸይድ መቕጻዕቲ

ዘንጸፈ ሓድሽ ሕጊ ኣብ 2015 ካብ ዘሕልፍ ዛጊት ከባቢ 120 ኣሰጋገርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታዉ፣ ብሚዛን

ዝፈጸምዎም ገበናት ፈሪዱ ከምዘሎ ይሕበር።

ክፍሊ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዘይሕጋዊ ምግዕዓዝን ምስግጋርን ደቂ-ሰብ ኣመልኪቱ ኣብ 2016 ኣብ ዘውጸኦ

ጸብጻብ ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ዝነጥፋ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ንምድቓቕ ቀጻሊ ጻዕርታት

የካይድ ከምዘሎ የረድእ።

መንግስታት ናይተን ምንጪን መሰጋገርቲን ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ዝኾና ሃገራት ሰሜንን ቀርንን ኣፍሪቃ ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር

ሰባት ንምግታእ ተመሳሰልቲ ሕጋዉን ትካላዉን ምድልዳላት የማሕድሩ ከምዘለዉ ይግለጽ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ 2014 ብ “መስርሕ-ካርቱም` ዝጥቀስ ንሰራዊት፣ ኣባላት ጸጥታ፣ ከምኡ`ውን ናይ ፍርዲ ኣካላት እታ

ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተሪር ስጒምትታት ክወስዱ ዘሐይል ሕጊ ምጽዳቓ ዝዝከር ኮይኑ ፥ ኣብ

2016`ዉን መንግስቲ ግብጺ ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ዝዕላማኡ ተሪር ሕጊ ክዉን ገይሩ እዩ።