እንግሊዝ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ መበገሲኡ ንምዕጋት ተሪር ስጕምትታት ክትወስድ

ኣብ ዝስዕብ ሰለስተ ዓመታት ናብ ኤውሮጳ ዝኣንፈቱ ዋሕዚ ስደተኛታት ብልዑል ናህሪ ክውስኽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ግዜ፡ እንግሊዝ ንዋሕዚ ስደት ካብ መበገሲኡ ንምዕጋት ዝሓየለ ስጕምትታት ክትወስድ እያ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብወተሃደራዊ ስለያ ኣውስትርያ ዝቐረበ ትንትና ኣብ 2020 ብዝሒ ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ ስደተኛታት 15 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል መጽናዕታዊ ገምጋሙ ኣቕሪቡ። እቲ ቝጽሪ ካብ ድምር ብዝሒ ህዝቢ ግሪኽን ኣየርላንድን ዝልዕል እዩ። እቲ መጽናዕቲ ካብ 2013 ክሳብ 2016 ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምዝተሰደዱን፡ 100,000 ካብኣቶም ካብ ኤርትራ፡ 60,000 ካብ ሶማልያ ምዃኖም ይሕብር።

ኣብ ውሽጢ መንግስቲ እንግሊዝ ዝርከብ ሓደ ምንጪ፡ እቲ መንግስቲ “ንስደተኛታት ካብ ማይ ምድሓን” ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ “ከይተበገሱ ኸለዉ ክዓግቶም” ከምዝደሊ ይሕብር።

እቲ ምንጪ፡ “ናብዚ ዞባ ነድህበሉ ዘለና መኽንያት ስደት ደው ንምባል ክኸውን ከሎ፡ ግብረ-ሽበራ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ኸሎ ብምግጣም ናብ እንግሊዝ ከይበጽሕ ክንክልክሎ ኽንክእል ኢና ማለት’ዩ፡” ክብል ወሲኹ።

እንግሊዝ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ከም ክፋል ናይቲ ዋሕዚ ስደት ከይተበገሰ ኽትክልክል እትገብሮ ጻዕሪ፡ ናብ ሲየራ ሊዮን ወተሃደራት ሰዲዳ። እቶም ወተሃደራት እንግሊዝ፡ ከም ክፋል መልእኽቶም፡ ምስ ወተሃደራት ሲየራ ሊዮን ሓባራዊ ናይ ጫካ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዶም። 90 ዝበጽሑ ወተሃደራት እንግሊዝ ምስ 25 ወተሃደራት ሲየራ ሊዮን ሓቢሮም ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢ ንምንባርን ንምቅላስን ዘብቅዖም ክእለት ከጥርዩ ዘኽእሎም ልምምድ እዮም ኣካይዶም።

ሚኒስተር ምክልኻል እንግሊስ ሰር ማይክል ፋሎን፡ ነቲ ሓባራዊ ልምምድ “እዚ ሓደ ኣብነት ናይቲ እንግሊዝ ብኣህጉራዊ ደረጃ እተበርኾ ዘላ ኣንጻር ክስዕባ ዝኽእል ሓደጋ እተካይዶ ጻዕሪ እዩ፥” ክብል ገሊጽዎ።

“ንመሻርኽትና፡ ንግብረሽበራን ኣህጉራዊ ገበናትን ኣብ ኩሉ ኽፋላት ዓለም ክስዕርዎ ብምሕጋዝ፡ ዕጡቓት ሓይልታትና ዝያዳ ዝረግአት ዓለም ብምርግጋጽ ንእንግሊዝ ውሕስቲ ሃገር ብምግባር ጐደናታትና ድሕነት ዘለዎ ከምዝኸውን የረጋግጹ።”

ካብ 2015 ክሳዕ ሕጂ እንግሊዝ እንተወሓደ ሽዱሽተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ብምስዳድ ኣብቲ ኣንጻር ምስግጋር ደቂሰብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝካየድ ስርሒታት ብምስታፍ፡ ህይወት ብሰንኪ ኣስገርቲ ኣብ ሓደጋ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ምድሓንን፡ ብገበነኛታት ጉጅለታት ዝካየድ መሸጣን ምስግጋርን ሰባት ኣብ ምዕጋትን ተሳቲፋ።

ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እንግሊዝ ቴሬዛ መይ፡ ሃገራ ነቶም ጉዳዮም ምስተራእየ “ናይ ዑቕባ ጥርዓኖም ክንጸግ ምዃኑ ዝግመቱ” ቁጠባውያን ስደተኛታት መምዮም ናብ ዝተበገሱለን ሃገራት ኣብ ምምላስ ንግሪኻውያን ዝሕግዝዎም ዓሰርተታት ክኢላታት ክትሰድድ ከምዝዀነት ተመባጺዓ።

ቅልውላው ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ ግዜ፡ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ዝሓየለን ወሳንን ስጕምትታት ብምውሳድ ነቲ ዋሕዚ መዕገቲ ኽገብራሉ ይሰርሓ ኣለዋ። ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ናይ ዑቕባ ጥርዓኖም ተነጺጉ፡ ብቤት ፍርዲ ካብታ ሃገር ክወጹ ዝተወሰነሎም ስደተኛታት ክትኣሊ ዝሓየለ ወፍሪ ኸተካይድ ምዃና ገሊጻ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር፡ ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ዝከይድ ጕዕዞ ንምጅማር ጃላቡ ኸይተሳፈሩ ኸለዉ ንምኽልካሎም ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ዝፍጠረሉ ዘተ ንምክያድ ናብ ሊብያ ምብጻሕ ከካይድ እዩ።