85% ሚእታዊት ካብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዛዕባ ኸጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ዝኣክል ኣፍልጦ ከይረኸቡ ናብ ስደት ይብገሱ
ኣብ መወዳእታት 2016 ብሓደ ዋሕዚ ስደት ዝከታተል መጽናዕታዊ ትካል ዝተኣከበ ሓበሬታ እንተወሓደ 85% ካብ
ምዕራብን ምራቕን ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት ብዛዕባ ኣብቲ መገዲ ኸጋጥም ዝኽእል ሓደጋን ዘሎ ኹነታትን ምሉእ
ርድኢት ከይሓዙ እዮም ዝብገሱ።
እቲ ማእከል መጽናዕቲ ሓፈሻዊ ስደት ሰሜን ኣፍሪቃ (North Africa Mixed Migration Hub) ተባሂሉ ዝፍለጥ
ትካል ካብ መጋቢት ክሳብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 10 ኸተማታት ጥልያን ምስ 341 ሰባት ኣብ ዝገበሮ
ዝርዝራዊ ምልልሳት፡ እቶም ሰደተኛታት ብዘይኣፍልጦ ወይ ኣዝዩ ትሑት ኣፍልጦ ሒዞ ጥራይ ንጕዕዞ ኸምዝብገሱ
ኣረጋጊጹ።
ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት ዝወሓደ ኣፍልጦ ሒዞም ዝብገሱ ክዀኑ ከለዉ፡ 74% ናይተን ካብ ከም
ሶማልያ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝብገሳ፡ ኣብ ጉዕዞ ዝበዝሐ ሓደጋን በደልን
ዘጋጥመን ደቀንስትዮ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጉዕዞ ኸጋጥመን ዝኽእል ሓደጋን መሰናኽልን እኹሉ ኣፍልጦ ኸይሓዛ ይብገሳ።
ልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ዝተሓተቱ ነቲ ጉዕዞ ምስረኣይዎ ውሳኔኦም ከምዘጠዓሶም ክገልጹ ኸለዉ፡ 45% ብዛዕባ’ቲ
መገዲ ንጹር ኣፍልጦ እንተዝህልዎም ፈጺሞም ከዘይምተበገሱ ገሊጾም። ብኻልእ መስመር ምተጕዓና ዝበሉ 12%
ጥራይ በጺሖም። ናይጀርያን ኤርትራን ዝበዝሐ ቑጽሪ ናይቶም ነዚ ውሳኔታት’ዚ ዝወስዱ ስደተኛታት ዘፋንዋ ሃገራት
እየን።
ኣብቲ ጸብጻብ ብሊብያ ንምሕላፍ ዝግበር ጉዕዞ 78% ካብቶም ዘጋጥሙ በደላት ዘጋጥሙሉ ቦታ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ዝተረፈ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከብ መስመራት እቲ ዝተረፈ ንስደተኛታት ኣብ ጉዕዞም ዘጋጥሞም ብርቱዕ በደላት
ዝፍጸመሉ እዩ። ኣብ ሊብያ ኣዝዩ ልዑል ቍጽሪ በደላት ከምዘጋጥምውን ነጺሩ። ዳርጋ 95% ዝዀኑ ተሓተትቲ ግዱድ
ስራሕ፡ 88% ዘይምኽኑይ ማእሰርቲ፡ 76% ጾታዊ ዓመጽ ከምዝርኣዩ ወይ ከምዘጋጠሞም ገሊጾም።
ብመሰረት እቲ ዳህሳስ፡ ሓደ ሲሶ ካብቲ ዝፈጸም ጾታዊ ዓመጽ በቶም ኣስገርቲ ባዕላቶም ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ ሳሃራ
ዝፍጸም እዩ። ካብቶም ተሓተትቲ፡ እቶም ኣስገርቲ ንደቀንስትዮ ከም መወሰኽታ ክፍሊት ተጠቒሞም ንመራሕቲ
መካይን ክዕምጽወን ይህብዎም ከምዝነበሩ ገሊጾም። ተቓወምቲ፡ ሸፋቱ፡ ናይ ምድረበዳ ቐቢላታት፡ ሚሊሻ፡
ወተሃደራትን ፖሊስን ዝርከብዎም ሓደ ሲሶ ኣብቲ ጉዕዞ ዝጐንፍ ጾታዊ ዓመጻት ይፈጽሙ።
እቲ ጸብጻብ ዝወሓደ ኣፍልጦ ናይቲ ኸጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ዘለዎም ሰባት፡ ዓመጽን ሃደጋን ከጓንፎም ዘሎ ተኽእሎ
ዝለዓለ ምዃኑ ይገልጽ። ካብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እቶም 14% ጥራይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ወይ ናይ ሞያ ዲግሪ ሒዞም
ዝብገሱ ክዀኑ ኸለዉ፡ እቶም ዝበዝሑ ክፋል ስደተኛታት ዝዀነ ስሩዕ ትምህርቲ ዘይወሰዱ እዮም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ