መንግስቲ ሆላንድን እንግሊዝን ቁጽሪ ዝሕዝዎም ናብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ስደተኛታት ይውስኽ

መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ምሕላው ዶባት ክገብሮ ዝጸንሐ ጽዑቕ ጸጥታዊ ምክትታል ቍጽሪ ዝተሓዙ ዘይሕጋውያን

ስደተኛታት ክውስኽ ከምዘኽኣለ ገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ወርሒ መንግስታት ሆላንድን እንግሊዝን 430 ዝበጽሑ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ፡ ኣብ መካይንን ጃላቡን

ተሓቢኦም ካብ ሆላንድ ናብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ከምዝሓዙ የርእዩ።

ኣብ 2015 ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክሰግሩ ዝፍትኑ 500 ስደተኛታት ክተሓዙ ኸለዉ፡ ዝሓለፈ ዓመት 1,280

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ሆላንድ ናብ እንግሊዝ ክብገሱ ኸለዉ ተታሒዞም።

ኣብ መወዳእታ 2015 መንግስቲ እንግሊዝ ምስ በልጁምን ሆላንድን ዘይሕጋዊ ስደት ንምቍጽጻር ዘኽእል ስምምዕ

ከቲሙ። እቲ ስምምዕ ጸጥታዊ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ድሕነት ወደባት ምሕላው ዝዕላምኡ እዩ። በቲ ስምምዕ

መንግስታት ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ዝተወደቡ ጉጅለታት ገበን ከምኡውን ሓድሽ ኣገባባትን

መገድታትን ዘይሕጋዊ ስደት ክከታተሉ ዘኽእል እዩ።

ከም ውጽኢቱ ሓይልታት ዶብ እንግሊዝን ሆላንድን ስርሒታቶም ብምሕያል ብወደባት ሆላንድ ዝሓልፍ ዘይሕጋዊ ስደት

ካብቲ ዝነበሮ ዝያዳ ዘጸግም ከምዝኸውን ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ ሰነ 2016፡ ሆላንድ ዕጡቓት ወተሃደራት ንተኸታተልቲ ዶባት ክሕግዝዎም ኣዋፊራ። እቶም ወተሃደራት ኣብ ጥቓ

ሮተርዳምን ኣምስተርዳምን ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱ ወደባት ናብ ናይ እንግሊዝ ወደባት ሃርዊች፡ ሃልን ኒውካስልን ዝብገሳ

ጃላቡን መራኽብን ኣብ ምፍታሽ ተዋፊሮም። ዝሽትቱ ኣኽላባት ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ዝተሓብኡ ስደተኛታት ኣብ

ምርካብ ሓጊዞም። እንግሊዝ ብወገና ንምብራቓውን ደቡባውን ገማግም ባሕራ ናይ ዝከታተላ ጃላቡ ቝጽሪ ዕጽፊ ናይቲ

ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ኣብጺሓቶ።

መራሕቲ መካይን ጽዕነት ከይርኣዎም ይኹን ብፍላጥ ዝጸዓንዎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ መካይኖም ተሓቢኦም

ምስዝርከቡ ክሳብ 2,500 ዩሮ ዝበጽሕ መቕጻቲ ይጽበዮም። ከም ውጽኢቱ፡ ክቡር መቕጻዕቲ ንምውጋድ፡ መራሕቲ

መካይን ጽዕነት ስደተኛታት ብጻዕቂ ዘዘውትርዎ መስመራት ገዲፎም ይጕዓዙ ኣለዉ።

ኣብ 2015 መንግስቲ ሆላንድ 55% ናይ ኩሎም ናብ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ክሕዝ

ከሎ፡ ኣብ 2016 ቍጽሪ ናይቶም ዝተታሕዙ ናብ 83% ደይቡ። ቍጽሪ ዝተኣስሩ ኣሰጋገርቲ’ውን ኣብ 2016 ወሲኹ።