እንግሊዝ ስደተኛታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ክዕቈቡ ዝሕግዝ 30 ሚልዮን ፓውንድ ተማባጺዓ
ብውድብ ሕቡራት ዝተሓንጸጸ ስደተኛታት ናብ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ከዕቍብ ዝተሓስበ መደብ ካብ እንግሊዝ ናይ 30.3
ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ክብርከተሉ’ዩ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር እንግሊዝ ቴሬዛ መይ ስደተኛታት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ዝጣየሱሉ ገንዘባዊ ሓገዝን
ዘሰንዮ ረድኤትን ስደተኛታት ካብ ገበናት ኣሰጋገርቲ፡ ዓመጻትን ምዝመዛን ንክድሕኑ ክሕግዝ ምዃኑ ኣብቲ ብሰለስተ ለካቲት ኣብ
ማልታ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳዊ ህብረት ገሊጻ።
በቲ መደብ ካብ ጐነጽን ኲናትን ዘምለጡ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ፡ ናብ ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ብሰላም
ዝበጽሑሉ ኣገባብ ክፍጠረሎም’ዩ። እቲ ዝዳሎ ገንዘብ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ጸቕጢ ስደተኛታት ዘፋዅስ፡ ስምምዕ እንትተበጺሑ፡
ሃብታማት ሃገራት ነተን ካብኣተን ዝደኽያ ሓደስቲ መዓልቦ ስደተኛታት ዝዀና ዘለዋ ሃገራት ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ስደተኛታት
ንኽቕበላ ዝሓሸ ዓቕሚ ከምዝህልወን ክገብር እዩ። እቲ መደብ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት 30,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት
ከጣይስ ተስፋ ይግበረሉ።
ካብተን ኣብቲ መደብ ዝሳተፈ ዝርከብ ገንዘባዊ መብጾዓታት ኣብ ሃገራት ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ስደተኛታት
ንምቕባል ዘኽእል ኣገዳሲ ትሕተ ቕርጺ ብምድላው ኣብተን ዝታየሱለን ሃገራት ህይወቶም ከም ሓድሽ ክጅምሩ ዘኽእል ክኸውን
እዩ።
እቲ ‘Emerging Resettlement Countries Joint Support Mechanism’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ወለንታዊ ናይ ምጥያስ
መደብ ብወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደትንዝካየድ እዩ።
ቴሬዛ መይ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ 30 ሚልዮን ፓውንድ “ስደተኛታት ክንዲ ናብ ኤውሮጳ ኽጕዓዙ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትውዋ፡
ናብ ቤቶም ክምለሱ ዝሕግዝ እዩ፡” ትብል።
እንግሊዝ፡ ናብ ኤውሮጳ ኽሰግራ ከለዋ ኣብ ሓደጋ ገበናት ምስግጋር ደቂሰብ ዝርከባ ቆልዑን ደቀንስትዮን ዝድሕናሉ ፍሉይ ገንዘብ
ኣዳልያ ኣላ። ክፋል ናይቲ ገንዘብ ኣብ ግሪኽን ምብራቕ ኤውሮጳን ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝኸውን ህይወት ዘድሕንን ቀረባትን ናይ
ህጹጽ ረድኤት መድሃኒትን ኣብ ምቕራብ ክውዕል እዩ። ብተወሳኺ እቲ ሓገዝ ስድራቤታት ክሓብሩን ብወለንታ ኣብ ሱዳን መዓስከር
ምስራሕ ዝርከቦ ናብተን ደሓን ዝተባህላ ሃገራት ንዝምለሱን ኣብ ምስላጥ ክሕግዝ እዩ።
እዚ ናይ መወዳእታት መብጽዓ፡ ነቲ ካብ ጥቅምቲ 2015 ንደሓር ጥራይ እንግሊዝ ንሰብኣዊ ድሕነት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘበርከተቶ
ገንዘብ ናብ 100 ሚልዮን ፓውንድ ኣደይብዎ ኣሎ።
እንግሊዛዊት ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምዕባለ ፕሪቲ ፓተል እዚ ሓድሽ ሓገዝ እግሊዝ “ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡን ሓገዝና ዘድልዮምን
ኣዝዮም ጽጉማት ስደተኛታት እትገብሮ ሓገዝ ክብ ተብል ከምዘላ ዘርኢ እዩ፡” ኢላ።
ወሲኻ፡ “እዚ ናይ መወዳእታ ብእንግሊዝ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ነቶም ናብ ሃገሮም ብሰላም ክምለሱ ዝደልዩ ክድግፍ፤ ንሰብኡት
ኣንስትን ህጻናትን ካብ ምዝመዛ ኽከላኸለሎም፤ እቶም ዘብርድ ዝሑል ኩነታት ዝርከቡ መሰረታዊ ንህይወቶም ዝድግፍ ቀረባት
ከምዝረኽቡ ንምርግጋጽ ክሕግዝ እዩ፡” ትብል።
ብተወሳኺ፡ ቴሬዛ መይ ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ቀውሲ ሰብኣዊ ድሕነት ንምፍዋስ ዝሕግዝ 2 ሚልዮን ፓውንድ፡ ከምኡውን ሊብያ
ገዛእ ዶባታ ኽትሕሉ ንምሕጋዝ፡ ብእኡ ኣቢላ ኸኣ ንምስግጋር ሰባት ንምቍጽጻርን ሕቡእ ንግዲ ኣጽዋር ንምክልኻልን ዝሕግዝ
ንመሰልጠኒ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝኸውን 517,000 ፓውንድ ተመባጺዓ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ