ፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝነጥፍ መርበብ ገበነኛታት ኣዳቒቚ።
ፖሊስ ዓዲ-ጥልያን ፡ ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክነጥፍ ምጽንሑ ንዝገለጾ መርበብ ገበነኛታት ከምዘዳቐቐ ፣
ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ ። እቲ ብዜጋታት ግብጺ፣ ሱዳን ፣ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ከምኡ`ውን ጥልያን
ክወፍር ምጽንሑ ዝተነግረሉ መርበብ፣ ብ 30 ጥሪ ብዝተኻየደ ዝተወሃሃደ ስርሒት ከምዝተዳቐቐ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፥ በቲ ንከባቢ ክልተ ዓመታት ክካየዱ ኣብ ዝጸንሑ ጽዑቓትን ዝተወሃሃዱን
መርመራታት ተሞርኲሱ ዝተኻየደ ስርሒት፣ 13 ኣባላት እቲ መርበብ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎ
የነጽር። እቲ መናሃርያኡ ኣብ ከተማ ሚላን ምዃኑ ዝተገልጸ መርበብ ፡ ብኣማኢት ንዝቚጸሩ ስደተኛታት ልዑል መጠን
ገንዘብ እንዳኽፈለን ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ምዝመዛታት እንዳፈጸመን ፣ ካብ ዓዲ ጥልያን
ብመንገዲ ፈረንሳ ናብ ምዕራባዊ ክፋል ኤውሮጳ ከምዘሰጋገረ`ዩ መግለጺ ፖሊስ ዓዲ ጥልያን ዘረድእ።
ፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ`ቲ ናይ ክልተ ዓመታት ክትትሉን መርመራኡን ፥ እቲ መርበብ ገበነኛታት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት
ኣብ ምስግጋርን ከምዝጥቀመለን ንዝተገንዘበን 62 መስመራት ብምጽናዕ ፣ ኩሉዓይነታዊ ንጥፈታትን ስልትታትን እቲ
መርበብ ክፈልጦ ከምዝኸኣለ ዘመልከቱ ሰብ-መዚ ፖሊስ እታ ሃገር፥ ካብኡ ብምብጋስ ነቲ መርበብ ንምድቓቕ ቀጥታዊ
ስርሒት ምክያዱ ሓቢሮም።
ኣብ ምስግጋር እቶም ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዘብሉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝወፍራ መርበባት ገበነኛታት፣ ካብ`ቲ
ዘይሕጋዊ ንግዲ ዓመታዊ ልዕሊ 150 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘካዕብታ ዝሕብር ኣብ ምቅላስ ገበናትን ንግዲ
ዕጸፋርስን ዝነጥፍ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNODC)፣ መብዛሕትኡ እዋን ብመንገዲ ሓደ መርበብ
ዝሰጋገሩ ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ናብ ካልኦት መርበባት ስለዝመሓላለፉ ንተወሳኺ ክፍሊትን ግፍዕታትን ከምዝቃልዑ
የገንዝብ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ካብ ዕሉላት መርበባት ገበነኛታት ከምዝኾነ ዝተሓበረ ጉጅለ ትወሲዱ ዘሎ ስጒምቲ፣ ነቲ መንግስቲ
ጥልያን ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዘይነዓቕ ድፍኢት ዝህብ
ከምዝኸዉን ሓያሎ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ