ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 4 ጥርጡራት ኣሰጋገርቲ ሰባት ቀቲሉ

TMP – 23/04/2017

ብ 6 ሚያዝያ ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣሰጋገርቲ ኢዮም ምስ ዝበሎም ወገናት ኣብ  ዝተኻየደ ብረታዊ ጎነጽ  4 ጥርጡራት ከምዝጠቐትሉ ካብቲ ከባቢ ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።

ወሃቢ-ቃል ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ዝኾነ ኣዩብ ቃሲም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥  እቲ ፍጻሜ ሓንቲ ኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ  ካብ ከተማ ትሪፖሊ 45 ኪሎሜተር ንሸነኽ ምዕራብ ርሒቚ ኣብ ዘሎ ማያዊ ከባቢታት ናይ ወደባዊት ከተማ ዛዊያ ኮለላ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረ ኣዋን ንዝጎነፈታ ዕጡቓት ዝጸዓነት ጃልባ ንምቕያድ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ከምዘጋጠመ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እታ ኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ ምዕቡል ስርዓተ ራዳር ተጠቒሞም ከምዝረኸበታ ዝሓበረ እቲ ወሃብ-ቃል፥ ኣብታ ጃልባ ተጻዒኖም ዝነበሩ ዕጡቓት ኢዶም ክህቡ ንዝተገብረሎም ጻዉዒት ብምንጻጎምን ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ልብያ ኣሰጋገርቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ኢሎም ብምድምዳም  ብረት ድሕሪ ምቕናዖምን፡  እቶም ጥርጡራት’ውን ብረታዊ ግብረመልሲ ክህቡ ስለዝፈተኑ እቲ ረጽሚ ከምዝሰዓበ የብርህ።

ኣብቲ ብረታዊ ረጽሚ፡ ምስ’ታ ኮለላ እተካይድ ዝነበረ ኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ ተሳፊሩ ዝነበረ ጀርመናዊ ጋዜጠኛ መጠናዊ መቚሰልቲ ከምዘጋጠሞ፡ 2 ጥርጡራት ከምዝተቐየዱን ሓደ ካልእ ጥርጡር ከምዝተሰወረን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብ 23 ጥሪ ናይዚ ዓመት ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከሰልጥንን ከዕጥቕን ኣማስዪዩ ድማ ኣብ ልዕሊ ጉጅለታት ኣሰጋገርቲ ኪካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ ክሕይል ድሕሪ ምውሳኑ፡ ናይ ምግባር ዓቕሚ ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ክሕይልን ቊጽሪ ናይተን  ኣብ ማያት ሊብያ ዝዕገታን ክምለሳ ዝግበርን ዘሎ ጀላቡ ስደተኛታት ክዛይድን ይረአ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።