ስደተኛታት ኣብ ምዕራባዊ ባልካን ጐነጽን ዓመጽን የጋጥሞም
TMP – 23/04/2017
ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ኦክስፋም፡ ብሰብመዚ መንግስታት ኣብ መስመር ስደት ሃገራት ምዕራባዊ ባልካን ዝግበር ዓመጽ፡ ጭካነን ዘይሕጋዊ ኣተሓሕዛን ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ዝርአ እዩ።
እቲ “A Dangerous ‘Game’” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ጸብጻብ ምስ ብመስመር ምዕራባዊ ባልካን ብሰርብያ፡ ሃንጋሪ፡ ክሮአሽያ፡ ቡልጋርያን ዩጎስላቫዊት ረፑብሊክ መቀዶንያን ዝሓለፉ ስደተኛታት ኣብ ዝተገብረ መሕትታት ዝተመርኰሰ እዩ። እቲ ጸብጻብ ኣብ ህጻናት ከይተረፈ ኣብ ስደተኛታት ብሰበስልጣን ዶባት እተን ሃገራት ዝወረደ ግፍዕን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ዘርኢ እዩ።
ኩሎም እቶም 140 ዝተሓተቱ ስደተኛታት፡ ኣብተን ዝሓለፉለን ሃገራት ዑቕባ ኽሓቱ ኣብ ዝፈተኑሉ ብሰብመዚ ዶባት ዘይይግባእ ዝተሓሕዛ ኸምዝተገብረሎም ገሊጾም።
እቲ ጸብጻብ ሰብመዚ መንግስቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ውልቃዊ ጉዳዮም ከይተሰምዐ፡ ሕጋዊ ሓገዝ ይኹን ተርጐምቲ ከይረኸቡ፡ ወይውን ዝዀነ ተኽእሎ ይግባይ ክይረኸቡ ንስደተኛታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይደፍእዎም ከምዘለዉ የርኢ።
እቲ ጸብጻብ ኣቐዲሙ ንዝተዘርግሐ ስደተኛታት ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ እንተሰጐጉ ኣብቲ ዞባ ይካላበቱ ኸምዘለዉ ዘርኢ ጸብጻብ ተወካሊ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሰርብያ ናይ ክልተ ዓመት ህጻን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ መቐበሊ ስደተኛታት ከምዝውሰዱ ተሓቢርዎም ምስተበገሱ፡ ዘብርድ ዛሕሊ ኣብ ዝነበሮ ለይቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ቡልጋርያ ኣብ ዝርከብ ጫካ ተደርብዮም።
ካብቶም ዝተሓተቱ እቶም 75 ካብ ሃንጋሪ ናብ ሰርብያ፡ 19 ኻብ ክሮኤሽያ ናብ ሰርብያ፡ 44 ካብ ሰርብያ ናብ ቡልጋርያ ወይ መቀዶንያ፡ ሓደ ካብ መቀዶንያ ናብ ግሪኽ፡ 7 ድማ ካብ ቡልጋርያ ናብ ቱርኪ ዝተሰጐጉ እዮም። ገለ ኻብኣቶም ካብ ሓደ እዋን ንላዕልን ካብ ሓደ ቦታ ንላዕሊ ዝተሰጐጉ እዮም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ