ኣብ ጥቓ ዳንኪርክ ዝርከብ መዓስከር ተባሪዑ

TMP – 22/04/2017
ካብታ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ዳንኪርክ ውጽእ ኢልካ ኣብ ግራን-ሲንት ዝተደኰነ መዓስከር ስደተኛታት ብለይቲ ሰኑይ 10 ሚያዝያ ብርቱዕ ቃጸሎ ኣጋጢምዎ።

ካብቲ መዓስከር ናብ ሰማይ ዝድይብ ብርቱዕ ዕምብረ ብለይቲ ንሰማይ ናይታ ኸተማ ዓብሊዅዎ ኔሩ። እቲ ሓዊ ክሳብ ወጋሕታ ሰሉስ ቃልቃል ክብል ሓዲሩ።

ብምሉኡ እቲ ካብ 1,000 ክሳብ 1,500 ስደተኛታት ብጣውላ ኣብ ዝተሰርሐ ንኣሽቱ መዕቈቢ ዝቕመጡሉ ዝነበሩ መዓስከር ጠቕላላ ዓንዩ።

“ብዘይካ እካብ ሓሙዅሽቲ ዝተረፈ የሎን፡” ይብል ናይቲ ከባቢ ኣማሓዳሪ ሚሸል ላላንድ ንጋዜጠኛታት ኣብቲ ቦታ ዀይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። “ነቲ ኣጓዱ ኣብቲ ዝነብሮ ምትካሉ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።”

ጸብጻባት፡ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ኣፋጋንውያንን ኩርዳውያንን ጉጅለታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኣብ ዝስዓበ ህውከት እቲ ሓዊ ከምዝጀመረን ፖሊስ ከህድእዎ ምስመጹ ተወሳኺ ጐንጺ ከዘስዓበን ይገልጹ።

“ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኰነ ኢልካ ዝተባርዐ ሓዊ ኽህሉ ኣለዎ እምበር ብኻልእ መገዲ [ከምዚ ኣቢሉ ኽቃጸል] ዝከኣል ኣይኰነን፡” ይብል ኣብቲ ከባቢያዊ ምምሕዳር ዝሰርሕ ኦሊቭየር ካራሜል።

“ብዙሕ ካብቲ ጋቢናታት ጠቕላላ ተቓጺሉ ወይ ይቃጸል ኣሎ፡ ልዕሊ ፍርቂ ናይዝ መዓስከር ተሃሚኹ እዩ፡” ክብል ቤትጽሕፈት ኣማሓዳሪ እቲ ኸባቢ ይገልጽ።

እቶም በቲ ቓጸሎ ካብ መዕቈቢኦም ዝተፈናቐሉ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ጂምናዝዩማት መዕቈቢ ተዋሂብዎም።

ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ብሩኖ ለ ሩ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ መኦኣስከር ስደተኛታት ክዕጾ ምዃኑ ገሊጹ ኔሩ። ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እቲ 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ መዓስከር ጫካ ካሌ ዝተዓጽወሉ ኣብቲ ኣብ ግራን-ሲንት ዝርከብ መዓስከር ዝነብሩ ስደተኛታት ካብ 700 ናብ 1,500 ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኾም።

እቲ ሓዊ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መዓክሰር ግራን-ሲንት ክርአ ዝቐነየ ጐነጻት እዩ። ኣብ መጋቢት ሓሙሽተ ሰብኡት ድሕሪ ምቝሳሎም ፖሊስ ነቲ ባእሲ ዘሪጎሞ። ካልእ ሰብኣይውን ዝሓለፈ ሕዳር ብኻራ ተሃሪሙ እዩ።