ኣብ ሊብያ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝጸዓነት መኪና ብምግምጣላ 19 ሰባት ይሞቱ

ስደተኛታት እተሰጋግር መኪና ደቡብ ምብራቕ ካብ ሊብያዊት ከተማ በኒ ወሊድ 60 ኪሎሜተር ርሒቓ ስልዘተገምጠለት 19 ስደተኛታት ሞይቶም ብዙሓት ድማ ቘሲሎም።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት፡ ኣርባዕተ ኻብቶም ዝተቐትሉ ህጻናት እዮም።
ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ቁጽሪ እቶም ኣብታ ናይ ጽዕነት መኪና ዝነበሩ ሰባት ኣብ ካብ 180 ክሳብ 300 ምዃኑ ይገልጹ። እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝዀኑ ስደተኛታት ናብታ ደቡብ ምብራቕ ካብ ትሪፖሊ 65 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ተርሁና እዮም ዝውሰዱ ኔሮም።
“እታ ናይ ኣስገርቲ መኪና ልዕሊ ዓቕማ ሰባት ጽዒና ኣብ ሓደ ዓቢ ጉድጓድ ምስኣተወት ሚዛን ክትሕሉ ስለዘይከኣለት ተገምጢላ፡” ይብሉ ኣብታ መኪና ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት።
ኣካያዲ ሆስፒታል በኒ ወሊድ መሓመድ ኣልመብሩክ እንተወሓደ 78 ሰባት ከምዝተጐድኡ፡ ሸሞንተ ኻብኣቶም ድማ ብርቱዕ ጕድኣት ከምዝወረዶም ይገልጽ። “እቲ መራሕ ማኪና ኣብዚ ሆስፒታል ኣይተቐበልናዮን፡ እንታይ ከምዘጋጠሞ’ውን ኣይንፈልጥን ኢና ይብል መብሩክ። “ድሒኑ ክኸውን እንተዘይክኢሉ ናብዚ ምመጸ ኔሩ።”
ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝነበሩ ስደተኛታት በቶም ኣስገርቲ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ኸምዝተወስዱ ተሓቢሩ። በኒ ወሊድ ከም መሰጋገሪት ስደተኛታት እትፍለጥ ናብ ኢጣልያ ኽሰግሩ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጕዓዙ ዝተኣኻኸቡላ ኸተማ እያ።
ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዋጋ ዝቕበሉሎም ኣስገርቲ እናተሻየጥዎምን ካብ ስደተኛታት ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ እናወሰዱን፥ ኣስገርቲ ብጽርግያታት ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘምጽእዎም ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሊብያ ኣብ ኣሰቃቒ ኩነታት ናብ ባሕሪ ንኽብገሱ ይእክብዎም።