ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ስደተኛታት ናብ ኒዤር ከጣይሶም እዩ
ካብ ሊብያ ዝተመልሱ ኣይቮራውያን ስደተኛታት ብ20 ሕዳር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቢጃን ኣብ ዝበጽሑሉ ስእሊ፡ ኤይ ኤፍ ፒ
ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብ11 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኣሸጋሪ ሰብኣዊ ኹነታት ብምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ዝተደርበዩ ልዕሊ 1,300 ተነቀፍቲ ስደተኛታት ከጣይስ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ካብ 7,00 ክሳብ 1,300 ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት፡ ደጋፊ ዘይብለን ኣዴታት፡ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ብርቱዕ ጥዕናዊ ጸገም ዘለዎምን ኣብ ሊብያ ብርቱዕ መግረፍትን ስቓይን ዝወረዶምን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ መወዳእታት ጥሪ 2018 ካብ ሊብያ ናብ ኒዤር ከግዕዝ መዲቡ ኣሎ።
መንግስቲ ኒዤር ናብ ካልእ ሃገር ንኽግዕዙ ጉዳዮም ክሳዕ ዝጻፈፍ ነቶም ተነቀፍቲ ስደተኛታት ንግዚኡ ኸዕቍቦም ተሰማሚዑ ኣሎ።
“ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ካብ ሊብያ ነቶም ተነቀፍቲ ዝበሃሉ ስደተኛታት ከነውጽኦም ኣለና፡” ይብል ተሓጋጋዚ ኣዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንድሕነት ስደተኛታት ፎልከር ቱርክ።
“እቲ ዘሎ ትሑዝ ሓደጋታትን እቲ መመሊሱ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኹነታት መዳጐኒ ማእከላት ሊብያን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሰኽቲ ህይወት ዘድሕኑ ስርሒታት ብምውዳብ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናትን ኣዋርሕን ስደተኛታት ናብ ኒዤር ከግዕዝ ብንጥፈት ይሰርሕ ኣሎ፡” ይብል ቱርክ።
25 ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዘጠቓልል ጉጅለ ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ሊብያ ናብ ኒዤር ግዒዞም እዮም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ