ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሊብያ ደሃይ የጥፍኡ

ልዕሊ 100 ስደተኛታት ተጻዒኖምላ ዝነበሩ ናይ ተነፋሒ ፕላስቲክ ተንሳፋፊት ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ስለዝጠሓለት፡ 97 ዝበጽሑ 15 ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ተሳፈርታ ከምዝሞቱ ይሕሰብ ኣሎ።

ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጀነራል ኣዩብ ቓስም ኣብ ከባቢ ቐርቐርሽ ናይ ምዕራባዊ ሸነኽ ከተማ ትሪፖሊ 23 ሰባት ካብታ ጃልባ ኸምዝድሓኑ ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፡ ከብዲ ናይታ ተንሳፋፊት ስለዝዓነወ እቶም ዝደሓኑ ዝብ ጫፍ ተንጠልጢሎም ከዝምተረኽቡ ሓቢሩ። እታ ጃልባ ካብ ገምገም 10 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ ኸላ እያ ናይ ሓደጋ መልእኽቲ ሰዲዳ።

“ተንሳፋፊ ክፋላ ምስተቐደደ እታ ጃልባ ጥሒላ፡” ይብል ቓስም።

እቶም ዝደሓኑ እታ ብዝተነፍሐ ጐማ ዝተሰርሐት ተንሳፋፊት 120 ሰባት ጽዒና ኸምዝተበገሰት ይገልጹ። ብመሰረት ሓበሬታ  ጀነራል ቓስም እቶም ዝጠፍኡ ከምዝሞቱ እዮም ዝቝጸሩ፡ እንተዀነ እቲ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ሬሳታቶም ንምርካብ ኣጸጋሚ ጌርዎ።

ኣስገርቲ ንባሕሪ ብዘይበቕዓ ጃላቡ ሰባት ጽዒኖም እዮም ማእከላይ ባሕሪ ከሳግሩ ዝፍትኑ። ኣብ 2016፡ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝብ ዝግበር ቀታሊ ጕዕዞ ጥራይ ክሳብ 5,000 ሰባት ሞይቶም።