ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ተመሊሶም

TMP – 24/02/2017

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) 334 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገራቶም መሊሱ።

ብ14ን 16ን ለካቲት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብኽልተ ሕዙኣት በረራታት 334 ስደተኛታት ናብተን ናይ መበቆል ሃገራቶም ዝዀና ናይጀርያን ሰኔጋልን መሊሱ። በታ ቐዳመይቲ ናብ ናይ ናይጀርያ ዝበረረት ነፋሪት 101 ኣንስቲ፡ 43 ሰብኡት ከምኡውን 18 ቘልዑ ተመሊሶም።

ተወሰኽቲ ሓንቲ ጓለንስተይትን 171 ደቂተባዕትዮን ኣብቲ ኻልኣይ በረራ ናብ ሰኔጋል ተመሊሶም።

እቲ ናይ ምምላስ ሓገዝ ብገንዘባዊ ሓገዝ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢን ሓባራዊ ሃብትን እንግሊዝ ዝተሰርዐ፡ ብመደብ ምትሕግጋዝ ተመለስቲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝተወደበ እዩ።

ካብቶም ዝተመልሱ ዝተመልሱ ስደተኛታት 9 ዘሰንዩ ኣለይቲ ዘይነበርዎም ቈልዑ ይርከብዎም። እቶም ህጻናት ስድራቤቶም ንምርካብ ብምትሕብባር ኣብ ሃገራቶም ዝርከባ ቤትጽሕፈታት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሓገዝ ተጌሩሎም።

ካብቶም ዝተመልሱ ስደተኛታት ነቶም 56 ናብ ማሕበረሰቦም ዳግም ክሕወሱ ዘኽእሎም ስራሕ ክጅምሩ ወይ ውን ትምህርቶም ክቕጽሉ ዘኽእሎም ሓገዝ ክወሃቦም እዩ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ሃገራቶም ምብጋሶም ኣዘራሪብዎምን ንጉዕዞ ብቑዓት ምዃኖም ንምርግጋጽ ዝግባእ ጥዕናዊ መርመራ ኣካዪዱሎምን። ብተወሳኺ እቶም ስደተኛታት ክዳውንትን ጫማታትን ተዓዲሎም።

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዝገጠሞም መከራን ብኸመይ ኣብቲ ሽግር ከዝወደቑን ተዛሪቦም።

ሓንቲ ኻብቶም ናብ ናይጀርያ ዝምለሱ ዝነበሩ ብሪጀት ኣኬያሞ ዝተባህለት መንእሰይ፡ ትምህርቲ ምስወድአት ስራሕ ክትረክብ ስለዘይከኣለት ወለዳ ናብ ጥልያን ክሰድዋ ኸምዝወሰኑ ትገልጽ። ዝሓለፈ ነሓሰ ኻብ ናይጀርያ ምስወጸት ሕጂ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ጥንሲ ሒዛ ተመሊሳ።

ንሳ፡ ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን እናተበገሰት ከላ ብኣባላት ኢሚግረሽን ሊብያ ከምዝተታሕዘትን ዝተኣሰረትን ትገልጽ። “ካብታ መዓልቲ ንደሓር ካብ ቤት ማሕዩር ናብ ቤት ማሕዩር እናግዓዙ መወዳእትኡ ኣብ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ኣምጺኦምኒ። ካብቲ ንበልዖ መግብን ንሰትዮ ማይን ጀሚርካ፡ ኣብ ማእሰርቲ ንሰብ ዘይግባእ ሕሱም ኣተሓሕዛ እዩ ዘለዎም። ኣብቲ ቤትማእሰርቲ መብዛሕትአን እተን መንእሰያት ብሊብያውያን ሓለፍቲ ተዓሚጸን እየን። ንፈተነኦም ዝነጸጋ መከራ እዩ ዝስዕበን። ኣምላኽ ይመስገን ናብ ናይጀርያ ዝተመለስኩ፡” ትብል።

ሰኔጋላዊ ተመላሲ ኣብዱላየ ኒያስ ኣብ ሊብያ ዝገጠሞ ሽግር ብርቱዕ ከምዝነበረ ይገልጽ። “ኣብ ማእሰርቲ ኢና ኔርና። ኣርባዕተ ወርሒ ዝበጽሕ ኣብኡ ጸኒሐ። ናብ ኤውሮጳ ኽንከይድ ስለዝደለና ኢና ኣብኡ ኔርና። ንሳቶም ግን ኣብ ባሕሪ ሒዞምና። ኣብ ሊብያ መግቢ ኣይነበረናን። ጽቡቕ ክንድቅስ ኣይንክእልን ኢና ኔርና። ይቕጥቅጡና ኔሮም፡” ይብል።

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት፡ ምትሕብባር ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት 412,000 ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ፡ ኣብ ጉዕዞ ዝተደርበዩ፡ ግዳያት ኣሰጋገርትን ሸየጥትን ዝዀኑ፡ ዝኣሊ መሰነይታ ዘይብሎም ቈልዑ፡ ከምኡውን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ስደተኛታት ኣብ ምምላስ ተሓጋጊዙ።