ኢጣልያ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትቈጻጸርን ክትሰጕጕን’ያ
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኣቐዲሞም ኣብ ኣቀባብላ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝስዓቡ ዝነበሩ ሕግታት ምሉእ ብምሉእ ክቕየሩ ይጠልብ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓውሎ ጀንቲሎኒ፡ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ማተዮ ሬንዚ ዝኽተሎ ዝነበረ ኣገባብ ፈጺሙ ዝፍለ ኣገባብ ብምኽታል ንዘይሕጋዊ ስደት ክቃለሶ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ምስ ጻውዒት ጀንቲሎኒ ተኣሳሲሩ፡ ሓላፊ ሲቪላዊ ድሕነት ኢጣልያ ፍራንኮ ጋብሪየሊ፡ “እናዓበየ ንዝኸይድ ዘሎ ጸቕጢ ስደተኛታትን ርግኣትን ስክፍታታትን ዝዓብለሎ ኣህጉራዊ ኩነታትን” ንምቅላስ ዝዓለመ ሰነድ ኣዳልዩ። እቲ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናብ ኩለን መደበራት ፖሊስ ኢጣልያ ዝተዘርግሐ ክልተ ገጽ ዝንውሓቱ መምርሒ፡ ፖሊስ ፍሉይ ዝዀነ ስጉምቲ ብምውሳድ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክቈጻጸርዎምን ካብታ ሃገር ክሰጕዎምን ዝእዝዝ እዩ።
እዚ መግለጺታት’ዚ ሰሙን ድሕር’ቲ ኣብ በዓል ልደት ኣብ በርሊን መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ግብረሽበራዊ ኣብ ከተማ ሚላኖ ዝተቐትለሉ መዓልቲ እዩ ዝወጽእ ዘሎ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ቱኒዝያዊ ስደተኛ ኣኒስ ኣልዓምሪ ኣብ 2011 ናብ ኢጣልያ ምስኣተወ፡ ኣብ 2015 ካብ ማሕዩር ተፈንዩ ካብታ ሃገር ክወጽእ ናይ ቤት ፍርዲ ስምዕታ ተዋሂብዎ። እቲ ኣብ በርሊን ንመራሕ ናይ ጽዕነት መኪና ብተዅሲ ብምቕታል ኣብ ዘስዓቦ ሓደጋ ሓንቲ ኢጣልያዊት እትርከቦም 12 ሰባት ኣጥፊኡ።
ካብ 2014 ንነጀው ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም። ኣብ ፈለማ 2016 ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ዝነበረ ናብ ኤውሮጳ ዘእቱ መገዲ ምስተዓጽወ፡ ቁጽሪ ናይቶም ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ዝረግጹ ስደተኛታት ብልዕሊ ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ። ብመሰረት ላዕለዋይ ተወካሊ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2016 ልዕሊ 180,000 ስደተኛታት ካብ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ኣትዮም።
ኣብ 2015 ዘይሕጋውያን ዝተባህሉ 27,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ነታ ሃገር ክለቁ ትእዛዝ ተዋሂብዎም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፡ ስደተኛታት ቅድሚ ምጥራዞም ዝዳጐኑሉ ሓደስቲ ማእከላት ክኸፍት ይምድብ ኣሎ። ብመሰረት ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ማሕበር ግብረሰናይ ሓበሬታ ሓካይም ብዘይዶብ (MSF)፥ መብዛሕትኡ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝዳጐኑሉ ማእከላት ልዕሊ ዓቕሙ ሰባት መሊኡ ኣዕለቕሊቑ እዩ ዝርከብብ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ