ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝጸንሓ ኣተሓሕዛ ተኽርር

መጋባእያ ከተማ ሰይንት-ጋለን ናይ ስዊዘርላንድ ፥ ጸኒሕ ውሕስነት ዑቕባ`ቶም ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጸብብ በዪኑ። እቲ መጋባእያ ኣብ`ቲ ብ 2 ለካቲት ዘሕለፎ ብይን ፥ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ሕቶኦም ቀጥታዊ እወታዊ ምላሽ ክረክብ ከኽእሎም ዝጸንሐ ክፉት ዕድል ደው ክብል እዩ ወሲኑ።

እቲ  መጋባእያ ፣ ናብ ስዊዘርላንድ ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ሰሪቱ ኣሎ ዝብልዎ ጸገም ስለዝደፍኦም ከምዝወጹ ክቕርብዎ  ዝጸንሑ ምኽኒት ደጊም እዂል መረጋገጺ ንዉሕስነት ዑቕባኦም ከምዘይከዉን እዩ በዪኑ ዘሎ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ምስ ረኸቡ ሻቡ ናብ ሃገሮም ብመገሻ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ንዘመስከሩ ኣብነታት ድሕሪ ምጽናዕ ናብ`ቲ ዉሳነ ከምዝበጽሐ ዝሓበረ እቲ መጋባእያ ፥ ኩሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወጺዮም ናብ  ሃገሮም ክምለሱ  የጸግሞም ማለት ከምዘይኮነ ምግንዛቡ`ዩ ሓቢሩ።

እቲ ብይግባይ ክዘልቕ ዘየፍቅድ ብይን ነቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትክተሎ ዝጸንሐት ክፉት ፖሊሲ ክርግጥ ልዑል ተኽእሎ ከምዘለዎ እዮም ሓያሎ ወገናት ዝሕብሩ ዘለዉ።

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ፣ ኣብ ሃገሮም ጸጥታውን ድሕነታውን ጸገማት ከቢዱዎም  ከምእተሰደዱ ኣእሚኖም ኣብ ሃገሩ  ናይ ስደተኛ መሰል ተዋሒሱሎም ተዓቚቦም ዘለው ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክበጽሑ ይደፍሩ እንተደኣሃልዮም ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ከጽነሖም ዝድርኽ ዝኾነ ጉዳይ ከምዘይብሎም እዩ ብተደጋጋሚ ከተሓሳስብ ጸኒሑ።

ኤርትራውያን ንዝበዝሐ ቊጽሪ`ቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝዉክሉ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።