ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ስደተኛታት ሓደጋ መልከፍቲ ዓባይ ሰዓል የንጸላልዎም

ስደተኛታት ልዑል ሓደጋ መልከፍቲ መድሃኒት ዝጻወር ሕማም ዓባይ ሰዓል ከምዘንጸላልዎም፡ ሓደ ኤውሮጳዊ ማእከል መጽናዕቲ ተላገብቲ ሕማማት ኣጠንቂቑ።

ኣፋውስ ዝጻወር ዓይነታት ሕማም ዓባይ ሰዓል ብቐሊሉ ኣብ ዝላበደሉ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ መልከፍቲ ዝርከቡ ሰባት እቶም ኣብ ዘይጽሩይን ሰባት ብጻዕቂ ዝተጨቓጨቑሉን ከም መዓስከራት ስደተኛታት ዝኣመሰለ ቦታታት ዝርከቡ ስደተኛታት ዝያዳ ተጠቃዕቲ ይዀኑ።

“ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዙሕ ዘይርአ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ዘሎ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ብዙሓት ኣፋውስ ዝነጽግ ዓባይ ሰዓል ኣገዳስን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦን ጥዕናዊ ጉዳይ እዩ፡” ይብል እቲ ማሕበር።

ኩሎም ኣብ ኦስትርያ፡ ነዘርላንድስን ኖርወይን፡ ከምኡውን 90% ናይቶም ኣብ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጥልያንን ጀርመንን ዝተራእዩ መልከፍቲ መድሃኒት ዘየሕውዮ ዓባይ ሰዓል ኣብ ስደተኛታት እዮም ኣጋጢሞም። እዚ ኣብ 2014 ልዕሊ 1,400 ሕሙማት ኣብ 12 ሃገራት ኣጠቓሊሉ።

ገለ ስደተኛታት ብመድሃኒት ዘየሕውዮ ዓባይ ሰዓል ሓሚሞም ክመጹ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ተለኺፎም ክነሶም እቲ ሕማም ከይሓዞም ናብ ኤውሮጳ ኽበጽሑ፡ ወይ ውን ኣብ ከም ስራሕ፡ ኣብ መዓስከራት ወይ ኣብ ዝተጨቓጨቓ ጃላቡ ክለግቦም ይኽእል።

መድሃኒት ዝነጽግ ዓባይ ሰዓል ዝሓዞም ሰባት ምሕዋይ ኣዝዩ ኽቡርን ኣጸጋምን እዩ። ምልክታት ቀልጢፎም ኣይርኣዩን፡ እቲ ሕማም ድማ ብቐሊሉ ብምስዓል፡ ምህንጣስ ወይውን ብምዝራብ ትራይ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ይላበድ።

ሃገራት ኤውሮጳ ሓባራዊ መከታተሊ ናይቲ ሕማም ዝኸውን ስርዓት ስለዘይብለን ብዙሕ እዋን መልከፍቲ መድሃኒት ዝጻወር ዓባይ ሰዓል ከይተፈልጡ ይተርፉ። ገለ ኣብ ጉዕዞ ዝርከቡ ስደተኛታት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይንፈጎም ወይ ብኸመይ ህክምና ኸምዝረኽቡ ኣይፈልጡን፡ ካልኦት ናብ ሕክምና ኸይዶም ዓባይ ሰዓል ከምዘላቶም እንተተፈሊጡ ናብ ዓዶም ከይስጐጉ ይሕብኡ።

“ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ኹነታት መንግስታት ሕክምና ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣጸጋሚ ዝገብሩሉ ዘለዉሉ እዋን እዩ፡” ትብል ሳሊ ሃርግሪቭስ ዝተባህለት ተመማራማሪት ካብ ኢምፒርያል ኮሌጅ ሎንዶን።

ወሲኻ “ኰይኑግን፡ መድሃኒት ዝጻወር ዓባይ ሰዓል ዝለከፎም ሰባት ምልላይን ሕክምና ኸምዝረኽቡ ምርግጋጽን ናብ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ከይዝርጋሕ ምቝጽጻሩን ናይ ግድን ክንገጥሞ ዘለና ብድሆ እዩ፡” ትብል።