ጥልያንን ጀርመንን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዂላፍ ተረርቲ ስጒምትታት የማሕድራ።

ጥልያንን ጀርመንን ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገረን ብሓፈሻ ናብ ኤውሮጳ ድማ ብፍላይ ኣብ ምግታእ ልዑል ጽልዋ ክህልዎም`ዩ ዝበለኦም ስጒምትታት የኽርራ ምህላወን ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ልዕሊ 180,000 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝኣተዉዋ ጥልያን ፥ ኣብ`ዚ እዋን እዚ ዝኸረሩ ስጒምትታት ንኽትወስድ ነቒላ ምህላዋ ፣ ተግባራዉነት እቶም ስጒምትታት ንምርግጋጽ ድማ ብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓውሎ ጀንቲሎኒ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ እታ ሃገር ግዜ ክወስድ ይመርጽ ከምዘየለ ይግለጽ።

ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማርኮ ሚኒቲ ፣ ኣብ ካልኣይቲ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ናይ 2017, ናብ ከተማ ትራብሉስ ብምብጻሕ ምስ መሪሕነት ሓድነታዊ መንግስቲ ሊብያ ተራኺቡ ዘይሕጋዊ ስደት ብመሰረቱ ንምዕንቃጽ ኣብ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ከምዝተሰማምዐን ተዓጺዩ ዝጸንሐ ኤምባሲ ጥልያን ዳግማይ ክኽፈት ከምዝተረዳድአን ኣይርሳዕን።

ሓድነታዊ መንግስቲ ሊብያ ሓደ ካብቶም ቅቡል መንግስትነት ንምውናን ዝጽዕቱ ዘለዉ 3 ሊብያውያን ሓይልታት ክንሱ ፣ መንግስቲ ጥልያን ክሳዕ እቲ ሓድነታዊ መንግስቲ ወግዓዊ ተፈላጥነት ዝዉንን ክጽበ ዘይምምራጹ ፥ ጥልያን ክሳዕ ክንደይ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ብትሪ ነቒላ ምህላዋ ዘመስክር ኣብነት ከምዝኾነ እዮም ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ዝሕብሩ ዘለዉ።

ብኻልእ ወገን ፥ ጥልያን ምስ ሕድነታዊ መንግስቲ ሊብያ ኣትያቶ ዘላ ምርድዳእ ፣ ነቲ ኣብ 2008 ኣብ ሞንጎ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሲልቪዮ ባርስልኮኒን ብህዝባዊ ምልዕዓል ዝተኣልየ መራሒ ሊብያ ሞዓመር ጋዳፊን ተኣቲዩ ዝነበረ ናይ ጉርብትና ስምምዕ ዘሐድስ ኮይኑ ኣሎ። ብመሰረት ናይ 2008 ስምምዕ ፡መራኽብ ጥልያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣሳፊረን ካብ ሊብያ ንዝብገሳ ጀላቡ ክትዕንቅጽ፥ ቀዪዳ ናብ ኢድ መንግስቲ ሊብያ ከተረክብ፥ እቶም ናብ ሊብያ ዝምለሱ ዘይሕጋውይና ስደተኛታት ድማ ማእሰርቲን መጥረዝቲን ክዉሰነሎም ዝመርሕ ስምምዕ እዩ ነይሩ።

ንኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣሐዪልካ ካብ ገማግማዊ ማያት እታ ሃገር ንዝብገሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ሻቡ ንምቕያዶም፡  ከምኡ`ዉን ኣብ ደቡባዊ ዶባት ሊብያ ጽኑዕ ሓለዋን ኮለላን ኣማሕዲርካ ነቶም ካብ ሱዳን ናብታ ሃገር ኣቲዮም ጒዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ዝምድቡ ስደተኛታት ንምዂላፍ ገለ ክፋል ናይቲ መንግስቲ ጥልያንን ሓድነታዊ መንግስቲ ሊብያን ሓባራዉን ዝኸረረን ስጒምትታት ንኽወስዱ ኣቲዮሞ ዘለዉ ስምምዕ እዩ።

ሓደነታዊ መንግስቲ ሊብያ ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ሃገሩ ዘለዎ ቊጽጽሪ ኣዚዩ ድዂምን ፣ እቲ ከም ቀንዲ መተሓላለፊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ገማግም ሊብያ ዝኾነ ከባቢታት  ብምስግጋርን ንግዲን ደቂ-ሰብ ዝናበራ ናይ ቀቢላ ሓይልታት ዝቆጻጸረኦ ብምዃኑን ግና፣ ንተግባራዉነት እቲ ደቡባዊ ዶባት ሊብያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ንኽኣቱ ዝዕላማኡ ክፋል መደብ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ጥልያን ፥ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ንምግታእ ብዝሓየለ ክሰርሓሉ መሪጹ ዘሎ ካልእ ስጒምቲ ፥ መስርሕ ጠለባት ዑቕባ ምኽራርን ናይ ዑቕባ ጠለባቶም ዝተነጽገ ስደተኛታት ሻቡ ነናብ ሃገሮም ምግዓዝን ዝብል እዩ።  ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ቅድሚ ናብ ትራብሉስ ምባሉ ኣብ ከተማ ቱኒስ ናይ ቱኒስያ በጺሑ ብዛዕባ  ምጥራዝ ጠለባት ዑቕባኦም ዝተነጽጎም ቱኒዝያውያን ስደተኛታት ስምምዓት ንኽብጻሕ ምዝርራቡ ናይቲ ኣብነት ዝንባለ እዩ።

ወዲ ቱኒዝያ ከምዝኾነ ዝተኣምነሉ ስደተኛ ኣኒስ ኣምሪ ኣብ ግዜያት በዓል ልደት ኣብ ከተማ በርሊን ናይ ጀርመን ዘካየዶ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሂወት ኣስታት 20 ሰባት ድሕሪ ምጥፋኡን ፣ እቲ ገበነኛ  ነዊሕ ከይጸነሐ ኣብ ከተማ ሚላን ተረኺቡ ብኣባላት ጸጥታ እታ ከተማ ድሕሪ ምቕታሉን ፥ ኣዛዚ ፖሊስ ዓዲ-ጥልያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንኽቕየዱ ዝመረሕ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ይንገር። ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር እዉን ፥ ዘይሕጋውያንን ጠለብ ዑቕባኦም ዝተነጽገን ስደተኛታት ቅድሚ ነናብ ሃገሮም ምጥራዞም ተቐዪዶሙለን ዝጸንሑ ናይ መዳጎኒ ማእከላት ኣብ ኩለን ዞባታት ዓዲ ጥልያን ክድኮን ኣዚዙ ኣሎ።

መንግስቲ ጀርመን እዉን ካብ ናይ ጥልያን ብዘይፍለ ፥ ኣብ ቀጽርታት ኩለን መዓርፎ ነፈርቲ ሃገሩ ጠለባት ዑቕባ ዝተነጽጎም ስደተኛታት ቅድሚ ምጥራዞም ዝዳጎንለን ማእከላት ክህነጻ ወሲኑ ኣሎ። ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ እዉን መንግስቲ ጀርመን ናብ ሃገሩ ዝሰልኲ ሓደስቲ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ሻቡ ናብ ግሪኽ ክመልሶም መደብ ሰሪዑ ኣሎ። ብዘይካ`ዚ መንግስቲ ጀርመን ነተን ብመንገደን ሓሊፎም ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ክቕበላ ዘይመርጻ ዘለዋ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኤውሮጳ ክቕርቦ ዝጸንሐ ኩሉ ዓይነታዊ ሓገዛት ክቆርጾ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

መንግስቲ ጀርመን ብፍላይ ድሕሪ`ቲ ኣብ  ወርሒ ታሕሳስ 2016 ኣብ ከተማ በርሊን ብቱኒዝያዊ ሓታቲ ዑቕባ ዝተካየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፥ ቊጽሪ ናይቶም ጠለባት ዑቕባኦም ዝንጸግን ጸኒሖም ዝጥረዙን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከዛይዶ ምውሳኑ እዩ ዝንገር ። ብመሰረት ወግዓዉያን ጸብጻባት፥ ኣብ 2016 ፡ ጀርመን ጠለባት ዑቕባኦም ዝተነጽገ ልዕሊ 25,000 ስደተኛታት ክትጥርዝ እንከላ፥ ንዝኸርር ዘሎ መስርሕ ዑቕባ ተገንዚቦም ከምዘይሰልጦም ዘስተብሃሉ ልዕሊ 55,000 ስደተኛታት ብፍቓዶም ካብታ ሃገር ከምዝወጽኡ ይፍለጥ።

መንግስታት ጥልያንን ጀርመንን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ከማሕድርዎም ጀሚሮም ዘለዉ ተረርቲ ስጒምትታት ንካልኦት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብቐጥታ ጸሊዩ፣ እተን ሃገራት ተመሳሰልቲ ስጒምትታት ክኽተላ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ከምቲ ምስ ቱርኪ ዝበጽሖ ዉዕል ምስ ካልኦት መተሓላለፍቲን ኣመንጨዉቲን ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ዝኾና ሃገራት ንክወዓዓል ዝደፍእ ከምዝኾዉን ይእመት።