ቍጽሪ ዘይሕጋውን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ኣብ 2017 ብ95% ቀኒሱ

ምስተን ቀዳሞት 12 መዓልታት ናይ 2016 ክወዳደር ከሎ፡ ቁጽሪ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ብ95% ቀኒሱ።

ብመሰረት ጸብጻት ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብተን ቀዳሞት 12 መዓልታት 2016 ገማግም ኤውሮጳ ዝረገጹ ስደተኛታት 22,950 ክበጽሑ ኸለዉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ሎሚ ዓመት ገማግም ኤውሮጳ ናይ ዝረገጹ ስደተኛታት ቁጽሪ 1,159 ጥራይ እዩ። መስመር ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ዓቢ ምጕዳል ርእዩ። ምስቶም 22,322 ክሳብ 12 ጥሪ 2016 ግሪኽ ዝበጽሑ ክረኣአ ኸሎ፡ ሎሚ ዓመት 430 ስደተኛታት ጥራይ እዮም ተመዝጊም።

ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ 64 ክበጽሕ ከሎ፡ ሎሚ ዓመት 27 ሰባት ሞይቶም። ቁጽሪ ምዉታት ብድምር ዝቐነሰ’ኳ እንተመሰለ፡ መጠን ዝሞቱ ምስ ዝደሓኑ ኽወዳደር ከሎ፡ መጠን ሞት ዳርጋ ብዓሰርተ እዩ ተራቢሑ።

እቲ ቑጽሪ ገና ኣዝዩ ልዑል’ኳ እንተሎ፡ 2016 ምስተን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ተወዳዲራ ካብ ኤርትራን ካልኦት ቦታታትን ዝወሓዱ ስደተኛታት ዝተበገሱላ ዓመት እያ። መስመር ስደተኛታት ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ምስተዓጽወ፡ ቁጽሪ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ብኽልተ ሲሶ ክቕንስ ከሎ፡ ቁጽሪ ሞት ብሓደ ሲሶ ወሲኹ።

ኣብ 2016 ናይጀርያን ኤርትራን ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝሰደዳ ሃገራት ክዀና ከለዋ፡ 37,551 ዝብዝሖም 20% ካብቶም 181,436 ኢጣልያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ናይጀርያዉያን እዮም። 20,718 ኤርትራውያን ካልኣይ ዝበዝሑ ጉጅለ ክዀኑ ኸለዉ፡ እቶም ኣብታ ዓመት ካብ ኤርትራ ዝተበገሱ 3,832 መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት ብደረጃ ዓለም ዝበዝሐ ቑጽሪ ዘለዎም ካብ ሓንቲ ሃገር ዝተበገሱ ጉጅለ ትሕቲ ዕድመ እዮም። ኣብ 2014 እንተወሓዱ 34,329 ኤርትራውያን ኢጣልያ በጺሖም። ኣብ 2015 ኤርትራ 40,000 ሰባት ብምስዳድ ዝበዝሑ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰገሩ ስደተኛታት ዘበርከተት ሃገር ኰይና። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለሰተ ዓመታት 95,000 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ኣብ 2016 ቁጽሪ ናይቶም ኤውሮጳ ኽበጽሑ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትውዋ ሶርያውያን ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብ97% ቀኒሱ። ቁጽሪ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ሶርያውያን ካብ 42,323 ኣብ 2014፡ ኣብ 2015 ናብ 7,448፡ ኣብ 2016 ከኣ ናብ 1,200 ጥራይ ወሪዱ።

ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ 2016 ልዑል ምቕናስ ዋሕዚ ስደተኛታት ርእየን። ቁጽሪ ገማግም ኤውሮጳ ዝረገጹ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ 2015 ዝተራእየ 900,000 ኣብ 2016 ናብ 280,000 ምውራዱ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደት ንምዕጋት ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ውጽኢት ይህበን ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ።