መራሕቲ ሃገራት ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ምስ ሊብያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ይዝትዩ

TMP – 21/04/2017

ጥልያን ነቲ ምስ ሊብያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዕጋት ስደተኛታት ንምድልዳል ዝሕግዝ ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ኣአንጊዳ። እቲ ኣብ ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝግበር ምስግጋር ሰባት ንምዕጋትን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ሰጊሮም ገማግም ጥልያን ከይበጽሑ ንምዕጋትን ዝዓለመ እዩ።

ናይ ጥልያንን ሕብረት ኤውሮጳን ሰብ መዚ ናብቲ ብውድብ ሕቡራት ዝድገፍ መንግስቲ ዕጥቅን ቁጠባዊ ሓገዝን ክሰዱን ንማያዊ ግዝኣት ሊብያ ብዝሓሸ ብቕዓት ክሕሎ ከኽእልዎን ብእኡ ኣቢሎም ነቶም ብማእከላይ ባሕሪ ሰባት ዘስግሩ ደው ንምባልን ድሉዋት ከምዘለዉ ይገልጹ።

ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስቲ ሊብያ ቀዳማይ ሚኒስተር ፋኢዝ ስራጅ ንገማግም ባሕርን ማያዊ ግዝኣትን ንምሕላው፡ ከምኡውን ንኸም ራዳራት ዝኣመሰሉ ንመከታተሊ ዝተቕሙ ኣቕሑ ዝኸውን ገንዘብ፡ 20 ጃላቡ፡ 4 ሄሊኮፕተራትን ሓያሎ ኣብ ኩሉ ቕርጺ መሬት ዝንቀሳቐሳ መካይንን ዝርከቦ ብጠቕላላ 800 ሚልዮን ዩሮ ዝበጽሕ መጠን ሓቲቱ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማርኮ ሚኒቲ እቶም ቀዳሞት 90 ሊብያውያን መርከበኛታት ብደገፍ ጥልያን ናይ ባሕሪ ስልጠናኦም ይዛዝሙ ኸምዘለዉን፡ ጥልያን ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ወይ ፈለማ ግንቦት 10 ናይ ሓለዋ መራኽብ ናብ ሊብያ ኸተረክብ ትዳሎ ኸምዘላ ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ሚኒቲ “ሕጂ ልዑል ወጻኢታት ክንገብር ኣለና፡” ክብል ንጋዜጠኛታት መሊሱሎም። “ነዚ ንምትግባር ምሉእን ንጹርን ተበግሶ እዩ ዘሎ። ሓባራዊ ድሌት ኣለና። እዚ ሓባራዊ ድሌት ከኣ ሓባራዊ ዕላማ ኣለዎ። ደድሕሪ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ክንዲ ምጕያይ ወይ ብሰንኩ ክንዲ ምሽጋር ባዕልና ኽንመልኮ እዩ እቲ ዕላማ።”

“ናብ ጥልያን ዝመጽእ ዋሕዚ ስደተኛታት ይውስኽ እዩ ዘሎ፡” ይብል ኮሚሽነር ስደት ሕብረት ኤውሮጳ ድሚትሪስ ኣቭራሞፖውሎስ። “ብርቱዕ ጸቕጢ ዝወረዳ ሃንቲ ሃገር እንተሃልያ፡ ጥልያን እያ።”

ከም ክፋል ናይቲ ስምምዕ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ብወኪላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን እናተደገፈ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ኣብ ዘካይዶ መዓስከራት ክተሓዙ እዮም።

“ምስ ሰባኣዊ ማሕበራት ተደጋጊፍና ሰብኣዊ መሰል ብግቡእ ዝኽበረሉ መዓስከራት ክንተክል ኢና፡” ይብል ሚኒቲ። ወሲኹ ድማ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ናይ ሊብያ መኦኣስከራት ኰይኖም ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ኽሓቱ ከምዝዀኑ ገሊጹ።