የሜዲቴራንያን ባህር ለሚሻገሩት ስደተኞች በማስመሰል የተሠራ የማይረባ ሕይወት ማዳኛ ጃኬት ተሸጠላቸው

ስእሊ፥ ሳይሞን ልዊስ። መለለዪ ኣርማ ትካል ቅዲ-ክዳን መመላኽዒን ‘ቻነል’ ዝተጠቀዖም ትምዩናት ናይ ድሕነት ጃካታት ኣብ ኣፍሪቃ ንስደተኛታት ይሽየጡ

ኣብ ሊብያ ዝነጥፉ ኣሰጋገርቲ ንባሕሪ ዝብገሱ ስደተኛታት ዝተተምየነ ናይ ድሕነት ጃካ እንዳሸጡ ንህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ የውድቚ ምህላዎም ተሓቢሩ።

እቶም ኣሰጋገርቲ ነቶም ኣብ ነኣሽቱ ጀላቡ ጸፋጺፎም ንባሕሪ ዝሰዱዎም ስደተኛታት፡ ናይ ድሕነት ጃካታት ናይ ዘየፍሪ ትካል ቅዲ ክዳንን መመላኽዒን ማለት ‘ቻነል’ መለለዪ ኣርማ እንዳለጠፉ ብልዑል ዋጋ ይሸጡዎ ከምዘለው እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ ዘለው።

እቶም ጃካታት ብኣዚዩ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ሰፍነግ ዝስርሑን ማይ እንተተንኪፎም ንታሕቲ ዘጥሕሉን ብምዃኖም ፡ ኣሰጋገርቲ ዝኽተልዎ ዘለው ሜላ ህይወት ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።

“እቲ ዝነፍዐ ሓንባሳይ ዂን፡ ነዞም ዝተተምየኑ ጃካታት ገይርካ ክትሕምስ ኣዚዩ ኣጸጋምን ንሂወትካ ዝፈታተንን እዩ፡ “ ይብለ ሓላፊ ተልእኾታት ናይ ሓንቲ ላይፍላይን ዝስማ ኣብ ምድሓን ሂወት እትነጥፍ ናብ ዘይምንገስታዊ ትካል መርከብ ዝኾነ ሳይሞን ልዊስ ን ጋዜጣ ሲድኒ ሞርኒንግ ሄራልድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

“ እዞም ኣሰጋገርቲ ኣዚዮም በላሕቲን ካብ ስደተኛታት ብኸመይ ገንዘብ ይረኽቡን ይፈልጡ እዮም። ስለዝኾነ ነገራት እንዳተምየኑ ስደተኛታት ካብ ገማግም ሊብያ ቅድሚ ምብጋሶም ዝርካቦም ገንዘብ ንምምንዛዕ ይጽዕቱ ኣለው። ብዛዕባ ህይወት እቶም ስደተኛታት ዘገድሶም ኣይኮነን። በቃ ንሰባት ከም ጥሪት ናብ ሓደ ሸነኽ እንዳጓሰኻ ገንዘብ ምውህላል እዩ ዕላማኦም፡” ይብል ኣቶ ልዊስ።