ህይወት ልዕሊ 30 ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ይጠፍእ

ስእሊ፥ ሮይተርስ። ሬሳታት ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ተኣኪቡ ናብ ሊብያ እንዳተመልሰ።

ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያዊት ከተማ ጋራቡሊ ብ 25 ሕዳር ክልተ ጀላቡ ተገምጢለን ብምጥሓለን ህይወት ልዕሊ 30 ስደተኛታት ከምዝጠፍአ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኮሎኔል ኣቡዓጂላ ዓብደልባሪ ፡ ኣሃዱታት ኮለላ ባሕሪ ሃገሩ ካብታ ዝተገምጠለት ሓንቲ ጃልባ 31 ሬሳታት ከምዝኣከቡን ከባቢ 60 ድማ ብህይወት ከምዘውጽኡን ጠቒሱ፡ ኣብታ 140 ስደተኛታት ኣሳፊራ እንከላ ዝተገምጠለት ካልኣይቲ ጃልባ ግና ዘጋጠመ ናይ ህይወት ክሳራ ከምዘይነበረ ኣረዲኡ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲዂ፡ ኣሃዱታቱ ነታ ቀዲማ ዝተገምጠለት ጃልባ ክሳዕ ትጥሕል ከምዘየርከቡላ ፥ ካብ ግዳያታ ድሕሪ ዝተላእከ ናይ ሓደጋ ጻውዒት ግና ኣብ’ቲ ከባቢ ኮለላ እተካይድ ዝነበረት ኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንረድኤቶም ከምዝመጸት ፡ እታ ጃልባ ድሮ ጥሒላ ስለዝጸንሐቶም ግና ትሕቲ ፍርቂ ካብቶም ተሳፈርቲ ህይወቶም ክጠፍእን ናይ 40 ካልኦት ደሃይ ክሰኣንን ምኽኣሉ ይዛረብ።

ወሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃስም ን ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ከምዝሓበሮ’ውን፡ ካብቶም ህይወቶም ስኢኖም ዘለው ግዳያት 18 ደቀንስትዮ፡ 3 ድማ ህጻናት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ሃለዋት ናይ 40 ካልኦት ስደተኛታት ዛጊት ከምዘይተነጸረ ኣገንዚቡ።

“ብህይወት ዝሰረሩ ግዳያት ንምርካብ ንልዕሊ 5 ሰዓታት ኣብ ቦታ ሓደጋ ኮለላ ጌርና ። ሓንቲ ከተንሳፍፍ ዝጸንሐት ግዳይ ኣውያታ ድሕሪ ምስማዕ’ኳ ኣድሒናያ፡” ይብል ኣዛዚ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ምድሓን ሂወትን ኮለላ ባሕሪን ዝነጥፋ መራኽብ ሊብያ ዝኾነ ናስር ኣልጋሙዲ።

እቶም ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከምእተወስዱ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ 2000 ክሳዕ 2017 ህይወት 33,000 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠፍአ ዘመልክት እዋናዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፡ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ቀተልቲ መስመራት ንስደተኛታት ኮይኑ ምህላው ይሕብር።