ኢጣልያ መርከብ ምድሓን ህይወት ትሕይር

ስእሊ፥ ኣንሳ (ANSA)
ኢጣልያውያን ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድላይን ምድሓንን ስደተኛታት እትነጥፍ ብስጳኛዊ ሰብኣዊ ማሕበር ምድሓን ህይወት ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ እትውነን መርከብ ክትሕየር ኣዚዞም።
ሓደ ኣብ ሲቺልያ ዝርከብ ቤትፍርዲ፡ እታ 218 ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝሓዘት መርከብ ብ17 መጋቢት ናብ ወደብ ፖሳሎ ክሳዕ እትኣቱ ዝነበረ ፍጻሜታት ዝምልከት መባእታዊ መርመራ ኽሳዕ ዝውዳእ ተዓሺጋ ኽትጸንሕ ኣዚዙ።
ብ15 መጋቢት፡ መርከብ ኦፐን ኣርምስ ነቶም ስደተኛታት ንምድሓን ዘካየደቶ ስርሒት፤ ኣብቲ ንሳቶም ዘድምዑሉ ዞባ ከምዝተኻየደ ብምግላጽ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተቓዊሞሞ እዮም።
ብመሰረት ፕሮኣክቲቫ፡ ሊብያዊት ዘዋሪት ናይ ሓለዋ ጃልባ ኣብ እዋን ስርሒት ምድሓን ህይወት ኣብቲ ቦታ ምስበጽሐት፡ እቶም ወተሃደራት ንኣባላት እታ ህይወት እተድሕን ዝነበረት መርከብ ነቶም ስደተኛታት ናብኣቶም ከረክብዎም ኣዚዞሞም። እታ ህይወት እተድሕን መርከብ ነቲ ጠለብ ምስነጸገቶ፡ እቶም ሊብያውያን ኣጽዋሮም ኣወጣዊጦም፡ ክትኵሱ ኸምዀኑ ኣፈራሪሖም።
ኣካያዲ ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ ኦስካር ካምፕስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሳቶም ቀዳምነት ዝህብዎ ነገር ህይወት ምድሓን ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ኣብዚ ሎሚ፡ ህይወት ምድሓን ገበናዊ በደል ኰይኑ እዩ፡” ኢሉ።
እዚ ጉዳይ እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ባሕርታት ህይወት ከድሕና ዝደልያ ማሕበራትን እተን ነዚ ህይወት ዝወስድ ጕዕዞ ኸይኣተውዎ ኸለዉ ስደተኛታት ክኽልክላ ዝደልያ መንግስታት ኤውሮጳን ተፈጢሩ እናበርትዐ ክኸይድ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣነጺሩ ዘርኢ እዩ።
እቲ ኣብ ሲቺልያ ዝርከብ ቤትፍርዲ፡ ኣባላት እታ ጃልባ ኣህጉራዊ ስምምዓት ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣፍሪሶም ከይኰኑን ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ሓጊዞም ከይኰኑን ብዝብል ጥርጠራ እዩ ነታ መርከብ ቀይድዋ ዘሎ።
ሊብያውያን፡ እታ ጃልባ፡ ብመሰረት ሓደ ኣህጉራዊ ስምምዕ ሊብያ ኽትቈጻጸሮ ኣብ ዝተወሰነሉ ኽፋል ባሕሪ ትነጥፍ ከምዝነበረት እዮም ዝገልጹ። እንተዀነ ግና ጠበቓ ፕሮኣክቲቫ ሮዛ ኢማንዌላ ሎ ፋሮ እታ መርከብ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ኣፍልጦ ኸምዘይነበራ ትገልጽ።
ኣብ ካታንያ፡ ሲቺልያ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ብተወሳኺ፡ እታ መርከብ ናብ ሰብ መዚ ስጳኛ ክትልእኮ ዝነብራ ኣብ ኢጣልያ ኸተዕርፍ ክፍቀደላ ዘኽእል ሕቶ ኸይሰደደት ናብ ሰሜን ናብ ኢጣልያ ጉዕዞኣ ብምቕጻላ ኰነ ኢላ ሕጊ ኸምዘፍረሰት ይኸሱ።
ኣዛዚ እታ ጃልባ፡ ኣብታ ጃልባ ዀይኑ ምድሓን ህይወት ዘወሃህድን ኣካያዲ እቲ ሰብኣዊ ማሕበርን ሰለስቲኦም ዘይሕጋዊ ስደት ንምስላጥ ዝመስረትዎ ገበናዊ ምትእስሳራት ኣለዎም ብዝብል ጥርጠራ ይምርመሩ ኣለዉ።
ፕሮኣክቲቫ፡ ኩሉ እቲ ዝተወስደ ስጕምትታታ ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ሰባት ንምድሓን ጥራይ ከምዝነበረ ትገልጽ።