ኢጣልያዊ ኣኽባሪ ሕጊ ትካላት ረድኤት ምስ ኣስገርቲ ርክብ ከይህልወን ይምርምር
ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ናይ ሓደ ኣብ ሲቺልያ ዝርከብ ቤትፍርዲ፡ ነቲ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ስደተኛታት ዘሳግሩን እተን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሰባት ዘድሕና ጃላቡን ተወዲቦም ይሰርሑ ኸይህልዉ ንምርግጋጽ ዝገብሮ መርመራ የበርትዖ ኣሎ።
ሰብ ዘድሕና ብማሕበራት ግብረሰናይ ዝውነና ጃላቡ ኣስገርቲ ሰባት ክሰዱ ኸለዉ እተን ጃላቡ ኸምዘለዋ ፈሊጦም ዝያዳ ድፍረት ክረኽቡ ይገብራ ኸምዘለዋ ተወቒሰን እየን። እዚ ናይ ሕጂ መርመራ ግን ኣስገርትን ጃላቡ ግብረሰናይን ብመደብ ተወዳዲቦም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስጋር ስደተኛታት ይነጥፉ እንተዀኑ ክርኢ እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ስደተኛታት ዝሃብዎም ኣስገርቲ እተን ዘድሕና ጃላቡ ኣበይ ከምዘለዋ ዝሕብር ጂኦግራፍያዊ ጥቕስታት ተዋሂቦም ከምዝነበሩ ዘረጋግጽ ምስክርነታት ከምዘለዎም ይገልጹ።
ነቲ መርመራ ኽመርሖ ዝጸንሐ ሲቺልያዊ ኣኽባሪ ሕጊ ካርሜሎ ዙካሮ እቶም ኣስገርትን ህይወት ዘድሕና ጃላቡን ቀጥታዊ ርክብ ከምዘለዎም እዩ ዝኣምን።
“እቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ምውህሃድ ስርሒት ህይወት ምድሓን ነዘን ጃላቡ ማሕበራት ግብረሰናይ ኩሉ ግዜ ዝርዝራት ከምዘይህቦም ርግጸኛ እየ፡” ክብል ኣብ ሓደ ናይ ባይቶ ሃገሩ ሽማግለ ብ22 መጋቢት ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ።
ኣዛዚ እቲ ጸረ-ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝሰርሕ ወፍሪ ሕብረት ኤውሮፓ ስርሒት ሶፊያ ዝዀነ ኢጣልያዊ ኣድሚራል ኤንሪኮ ክረደሊኖ ኣብ መንጎ እቶም ኣሳገርትን እቶም ኣድሓንትን ምትእስሳር ከምዘሎ ኸምዝኣምን ገሊጹ። ንሱ፡ ሰባት ዘድሕና ጃላቡ ኣዝዩ ድሙቕ ብርሃን ወሊዐን እቶም ኣስገርቲ ናብኣተን ገጾም ንኽቐርቡ ኸምዝሕግዛ ሓቢሩ።
ህይወት ዘድሕኑ ገበርቲ ሰናይ ናብ ማያት ሊብያ ቐሪቦም ዝዞሩሉ መኽንያት ስደተኛታት ኣብ ዘይጽኑዓት ሰባት ዝተቸቓጨቕወን ዝበዝሕ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕላ ጃላቡ ስለዝመጹ ከምዝዀነ ይገልጹ።
ብውልቃውያን ወፈይቲ ዝለዝምወላ፡ ሰብመዚ እቶም መወልተን ባዕላቶም እቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘስግሩ ወገናት ከይኰኑ ይጥርጥሩ። ዝሓለፈ ኽረምቲ ናይ ጀርመን ሲ ዎች፡ ሲ ኣይ፡ ከምኡውን ጁገንድ ረተት፥ ናይ ሆላንድ ላይፍቦት ፕሮጀክት፡ ናይ ስጳኛ ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ ከምኡውን ናይ ማልታ ሞኣስ ኣብ ገማግም ሊብያ ይነጥፋ ኔረን።
እቲ ቤትፍርዲ ክሳብ ሕጂ ሓፈሻዊ መርመራ እምበር ወግዓዊ ፍርዳዊ ምጥያቕ ኣይጀመረን። እንተዀነ፡ እቲ ምስ ኣሳገርቲ ርክብ ከምዘሎ ዝተበጽሐ ጥርጠራ ርግጽ ኰይኑ እንተጸኒሑ፡ እተን ማሕበራት ግብረሰናይ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዘይሕጋዊ ስደት ብምውዳብን ብምስላጥን ክኽሰሳ ይኽእላ እየን።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ