ኣብ ምድረበዳ ዝሞቱ ስደተኛታት ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ይበዝሑ

እንተወሃዱ 44 ዝበጽሑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ እናተጓዕዙ ኸለዉ ኣብ ምድረበዳ ሰሜናዊ ኒጀር መኪና ስልዝተሰብረቶም ብጽምኢ ማይ ሞይቶም።

ብመሰረት ሓደ ኣፈኛ ቀይሕ መስቀል፡ ሽዱሽተ ካብኣቶም ዝደሓና ደቀንስትዮ ናብ ሓንቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት እታ ሃገር እትርከብ ዓዲ ተጓዒዘን፡ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም 44 ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢረን።

ቀይሕ መስቀል ናብቲ ኸባቢ ብምኻድ ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ሓበሬታ እትእክብ ጉጅለ ሰዲዱ ኣሎ።

ከንቲባ ናይታ ቀንዲ መሰጋገሪት ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኰይና ዘላ ኣብ ሰሜናዊ ጫፋት ኒጀር ኣብ ምድረበዳ እትርከብ ኣጋዴዝ እትብሃል ከተማ ዝዀነ ሪሳ ፈልቱ፡ “ንግዚኡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ምድረበዳ ዝሞቱ ስደተኛታት 44 እዩ፡” ኢሉ።

እዚ ኣጋጣሚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን። ሸሞንተ ካብ ኒጀር ዝተበገሱ ሓሙሽተ ህጻናት ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ኣልጄርያ ኣብ ዘጓዕዝ መገዲ ኣብ ሰሜናዊ ኒጀር ሬሳታቶም ተረኺቡ። ኣብ ሰሜናዊ ኒጀር ኣብ ናይ ሓለዋ ዑደት ዝነበሩ ወተሃደራት ኣስገርቲ ኣብ ምድረበዳ ራሕሪሖሞም ዝዝገደፍዎም 40 ስድተኛታት ኣድሒኖም ኔሮም።

ኣብቲ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ካብ ዝሕለፉ መገድታት ካብቶም ዝኸፍኡ ዝሕሰብ መስመር፡ ኣብ መጽዓኒ ንኣሽቱ ተሰከምቲ መካይን ንቑሩብ ሊትሮታት ማይ ዝኸውን ቦታ ጥራይ ክሳብ ዝተርፈን ሰባት ተጻፋጺፎመን ንመዓልታት ይጕዓዙ።

መንግስታትን ትካላት ግብረሰናይን ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ኣሽሓት ቍጽሪ ኸካታተላ ዝፍትና እኳ እንተዀና፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ ቁጽሪ ናይቶም ምድረበዳ ሳሃራ ኽሰግሩ ዝጠፍኡ ሰባት ዳርጋ ዘይክኣል እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ምስ ማሕበር ሓለይቲ ስደተኛታት ደንማርክ (Danish Refugee Council) ዝዛመድ ትካል ዝተኻየደ መጽናዕቲ ስደተኛታት ካብ ኣብ ባሕሪ ንላዕሊ ኣብ ምድረበዳ ኽሞቱ ዘሎ ተኽእሎ ኸምዝልዕል ኣረዲኡ ኔሩ።

“ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ሊብያ፡ ግብጺ ወይ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ኣብ ምድረበዳ ዝሞቱ ሰባት ከምዝበዝሑ ከምዝኽእሉ እኳ ዝሕብሩ እንተዀኑ፡ ጽጹይ ዝዀነ ቕጽሪ ምእካብ ክሳዕ ሕጂ ኣይተረኽበን፡” ይብል እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ።

ዋሕዲ መድሃኒት፡ ጥሜት፡ ሓደጋታት መካይን፡ ከምኡውን ብጥይትን ብኻራን ምህራም እቶም ቀንዲ መኽንያታት ሞት ምንባሮም ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኔሩ።