ኖርወይ፥ ዝተሓተ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ 2017

ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ኖርወይ። ስእሊ፥ ጌቲ ኢሜጅ/ ኣልያንስ ፍራንስ ፕረስ/ ፖፒ ኮርኔሉስ
ክፍሊ ኤሚግሬሽን ኖርወይ (UDI) ብዝዘርገሖ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 3,546 ስደተኛታት ጥራይ ናብታ ሃገር ከምዝኣተው ተፈሊጡ። 1,252 ካብቶም ዝኣተው ዝደተኛታት ብመስርሕ’ቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣባል ሃገራቱ ነቶም ኣብ ጥልያንን ግሪኽን ዝርከቡ ስደተኛታት ክማቐለኦም ዝሰርዖ መደብ ዝኣተው ጥራይ’ውን እዮም።
ዳይረክተር እቲ ክፍሊ ኣቶ ፍሮድጅ ፎራግ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዓመተ 2017 ባዕላቶም ኣቲዮም ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ስደተኛታት 2,300 ጥራይ ምዃኖም፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2015 ዝተመዝገበ 31,000 ኣዚዩ ዝወሓደ ከምዝኾነ ኣረዲኡ። ርኡይ ምንካይ እቲ ዋሕዚ ፡ ኖርወይ ጸጥታ ዶባታ ምስ ሩስያ ድሕሪ ምውሓስ፥ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ምስተን ቀንዲ መተሓላለፍቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምዃነን ዝንገረል ከም ግሪኽ፡ ጥልያንን ሃገራት ባልካንን ድኽሪ ዘራኽቦ ዶባት ምሉኳት እዩ ዝምዝገብ ዘሎ ።
ዳይረክተር ፎራግ ወሲዂ፡ ክፍሊ ኤሚግሬሽን ኖርወይ ኣብ ውሽጢ ዓመተ 2018 ዝወሓደ ቊጽሪ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ማለት ትሕቲ 3,000 ናብ ሃገሩ ክውሕዙ ግምት ከምዘለዎ እውን ኣሚቱ ኣሎ።
“እቲ ብቚጽሪ ኣዚዩ ዝውሕድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ቀጻልነት ዝወነነ ይመስል። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ናብ ኖርወይ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ 2015 ኣዚዩ ዝወሓደ እዩ፡” ይብል ዳይረክተር ክፍሊ ኤሚግሬሽን እታ ሃገር።
ዋሕዚ ስደተኛታት ብርኡይ የንቆልቊል ብምህላው እውን መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገሩ ተዶኲነን ዝጸንሓ መቐበሊን መጻንሒን ማእከላት ስደተኛታት ይዓጽወ ምህላው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሚኒስተር ዓቃባዊ ገስጋሳዊ ሰልፊ እታ ሃገር ኣቶ ሲልቪ ሊስቶግ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኖርወይ ናይ ኤሚግሬሽን ፖሊሲኣ ከተኽርር፡ ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ድማ ተረርቲን ርትዓውያንን መርሓታት ከተቐምጥ እዩ ክጽዕት ጸኒሑ።
“ብዘይ’ቲ ኣብ ምቊጽጻር ዶባትና ዝዓመምናዮ ስራሕ፡ ኣብ ናይ ኤሚግሪሽን ፖሊሲታትና’ውን ኣብ ኖርወይ ክጸንሑ ብቑዓት ዘይኮኑ ስደተኛታት ውሕስነት ከምዘይረኽቡን ሻቡ ክወጽኡ ከምዘለዎምን ዝደፍኡ መምርሒታት ሰሪዕና ኢና፡” ይብል ሚኒስተር ሊስቶግ ምስ ጋዜጣ ዳግሳቪሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ።
ዓቃባውያን ሰልፍታት ኖርወይ በቲ ናብ ሃገረን ነኪዩ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዕጋበተን ከስምዓ እንከለዋ፡ ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ግና በቲ ንሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ዝኽላእ ዘሎ ደገፍ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።
ሓያሎ ፖለቲከኛታት ተቛወምቲ ሰልፍታት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ዘይዕጉብነቶም ይገልጹ ከምዘለው ይንገር። “ኣብ ዓለምና ኣዚዮም ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኣይኮነን ጸጥታዊ ውሕስነትን ክንክንን ዘድሊዮም፡” ይብል ካብ ጸጋማዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ እታ ሃገር ዝኾነ ኣባል ፓርላማ ኣቶ ካሪን ኣንደርሰን።
ኣንደርሰንን ካላኦት ኣብላት ፓርላማን ፡ መንግስቲ ኖርወይ ካብቶም ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት መስርሕ ምስግጋር ዝጽበዩ ዘለዉ ስደተኛታት ክቕበል ብቐጻሊ ይጽውዑ ኣለው።
ኣባል ባይቶ ኣቶ ኣንደርሶን ኣብ መወዳእታ ፡ ኖርወይ ኣብ ምውሓስን ምሕያልን መሰል ዑቕባ ስደተኛታት ብኣህጉራዊ ደረጃ ክትጽዕት፡ ኣብ’ቲ ሓላፍነት ድማ ብቐጥታ ክትካፈል ርትዓዊ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።