ሃንጋሪ ናብ ሃገራ ዝኣትው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ካልኣይ ናይ ዶብ ሓጹር ትሃንጽ
TMP – 13/03/2017
ሃንጋሪ ነቶም ብመንገዲ ጎረቤት ሃገር ሰርቢያ ብዘይጸገም ዝኣትውዋ ዘለው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምኽልካል ካልኣይ ጽኑዕ ሓጹር ትሃንጽ ከምዘላ ተገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ፥ ድሮ ንፈተነ 10 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ክፋል ናይቲ ሓጹር ተሃኒጹ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ዝህንጸ ዘሎ ካልኣይ ሓጹር ነቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ 2015 ዝሃነጾ ናይ ትሪኳላታ ሓጹር ዝድገፎ ኮይኑ ብካሜራታትን ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ስደተኛታት ዘጽንዑ ተወሰኽቲ ረቀቕቲ መሳሪሒታትን እዩ ክዕጠቕ።
ወሃቢ ቃል ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ቪክቶር ኦርባን ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዝገለጾ፣ መንግስቱ ነቲ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተኸስቱ ዘሎ ቅልውላው ስደተ ንኣህጉራዊ ውህደትን ጸጥታዊ ድሕነትን እቲ ሕብረት ዝፈታተን ኮይኑ ከዝርደኦ ፥ እዚ ዝህነጽ ዘሎ ካልኣ ሓጹር ድማ ሃንጋሪ ብመንገዲ ደቡባዊ ዶባት ክኣትዉ ዝኽእሉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ክዛይድ’ዩ ዝብል ግምት ስለዘለዋ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ምስ ሩማንያዊ ምከዘናኡ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዉን፣ እቲ ኣብ ሞንጎ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቱርኪን ተኣትዩ ዘሎ ስምምዕ ነቲ ብመንገዲ ሃገራት ባልካን ዓሪጉ ዝጸንሐ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ዝተሓተ ደረጃ እኳ ኣውሪዱዎ እንተሃለወ ፣ ኣብተን ሃገራት ዝገዝፍ ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ነቲጒ ክኽሰት ዝኽእል ሓድሽ ዋሕዚ ብኣጋኡ ንምግታኣ ሃንጋሪ ደቡባዊ ዶባታ ብተወሳኺ ሓጹር ክትክልል ምምራጻ ኣገንዚቡ።
ምህናጽ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልዕሊ 130 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ክውድእ ዝግመተሉ ሓጹር ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ብዘሎ ኣሸጋሪ ኩነታት ኣየር ይሰናኸል ኣኳ እንተሎ እቲ ጸገም ኣብ ዝተመሓየሸሉ ክቕጽል ከምዝኾነ ፥ ኣብ ቊልፊ ቦታታት እቲ ሓጹር እዉን ዝሰልኩ ስደተኛታት ዝዳጎኑሉን ጉዳዮም ዝጻረየሉን መጻንሒ ማእከላት ክድኮኑ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
መንግስቲ ሃንጋሪ ናብ ሃገሩ ዘብሉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕንቃጽ ፥ሰብ መዚ ሓለዋ ዶባት ሃገሩ ነቶም ምስ ሰርቢያ ዘዳዉብ ከባቢ ምስ ሰገሩ ክሳዕ ኣብ ውሽጢ 8.5 ኪሎሜተር ዘሎ ንውሓት ዝቕይድዎም ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ቀይዶም ቡ ናብ ሰርቢያ ክጥርዙ ዘኽእሎም ሕጊ ከምዘጽደቐ ፣ ኣሽሓት ኣባላት ዝጥንፋ ኣሃዱታት ሓለዋ ዶባት ከምዘውፈረን ይግለጽ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ