ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ከውጽኡ ይሰማምዑ

ኤውሮጳውያንን ኣፍሪቃውያንን መራሕቲ ኣብ ምጅማር ኣቲ ዋዕለ ንስእሊ ይዳለዉ
ስእሊ፦ ፊሊፐ ዎጃዘር/ ኤ ኤፍ ፒ/ ጌቲ ኢሜጅስ.

ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን መራሕቲ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብህጹጽ ናብ ሃገራቶም ዝምለሱሉ መገዲ ኣብ ዘፍቅድ ውጥን ተሰማሚዖም።
ፈረንሳዊ መራሒ ኢማንዌል ማክሮ ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ዝዓበየ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ተጓራቢቱ ብ29 ሕዳር ኣብ ኣቢጃን ዝተኻየደ ርክብ እዩ ነቲ ተበግሶ ገሊጽዎ።
ማክሮ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ “ጥርኑፍ ወተሃደራውን ናይ ፖሊስን ወፍሪ ኣብ ባይታ” ዝበሎ “ህጹጽ ስርሒት” ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ክኸዱ ንዝደልዩ ስደተኛታት ንምውጻእ ክትግበር ምዃኑ ኣረዲኡ። እቲ መደብ ብመራሕቲ ጀርመን፥ ኢጣልያ፡ ስጳኛ፡ ከምኡ ድማ ደ.ሪ. ኮንጎ፡ ሊብያ፡ ኒዤራን ሞርኮን፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ተኻይዱ።
ማክሮ ወሲኹ፡ ሊብያ “ናብቲ ባርባራዊ ግፍዕታት ዝርኣየሉ መዓስከራት” ምእታው ከምዘፍቀደት ገሊጹ።
ብመሰረት ጀርመናዊ ኣገልግሎት ዜና ዲ ፒ ኤ፡ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ብቐዳምነት ተሰሪዐን ሰባት ካብቲ መዳጐኒታት ሓራ ናይ ምውጻእ፡ ካበይ ከምዝመጹ ምልላይ፡ ናይ ጕዕዞ ሰነዳት ምድላውን ንኽጣየሱ ንምኽፋልን ዝምልከት ስርሒታት ክተሓሓዝኦ እየን።
ውድባት ስደተኛታትን ስደትን ሕቡራት ሃገራት ነቶም ስደተኛታት ናብ ቤቶም ኣብ ምምላስ ተራ ዝጻወታ ክዀና ኸለዋ፡ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ገንዘባዊ ንተመለሰቲ ስደተኛታት መበገሲ ናብራ ዝኸውን ሓገዝ ከበርክታ እየን።
ኣብ ኣብ ጫድን ኒጀርን ሓደጋ ኸጋጥሞም ዝኽእል ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ኽዕቈቡ እዮም።
ትካላት ግብረሰናይ ንልዕሊ ዓመት ዝኣክል ንግዲ ባራዩ ኣብ ሊብያ ኸምዘሎ ኽሕብራ’ኳ እንተጸንሓ፡ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ መግለጺታት ግን ቴለቪዥን ሲ ኤን ኤን ድሕሪ ዘርኣዮ ሰባት ብ400 ዶላር ዝሽየጡሉ ጨረታ ባራዩ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል “ልዕሊ 20,000 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ መዳጐኒታት” ኣብ ሊብያ ተታሒዞም ከምዘለዉን “ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ፡ ምቕጥቃጥን ምስቓይን” ከምዝወርዶም ይገልጽ።
“ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብዚ ዓመጻት ከምልጡ ንዝደልዩ ሰባት ኣብ ባሕሪ ዓጊቱ ናብ መዳጐኒታት ይመልሶም ኣሎ፡” ይብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ምትሕብባር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ጉዳይ ብምጥቃስ።
ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብምትሕብባር “ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም” ከውፍርን “ንእሰጋገርቲ ሰባትን ሰንሰለታት ጉጅለ ገበነኛታትን ከዕኑን”፡ “ኣብ መስመራት ስደት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሊብያ ኣብ ዝርከቡ መስመራት ንህይወት ስደተኛታት ከድሕንን ክከላኸልን፡” ምዃኑ ኣፍሊጡ።