ምዝመዛ ብኣሰጋገርቲ
ኣሰጋገርቲ ካብ ስደተኛታት ዝሓትዎ ገንዘብ ኣዚዩ ልዑል እዩ። ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳ ኣዚዩ ቀሊል ምዃኑ ንስደተኛታት ምስዳዕ ብተደጋጋሚ ዝስዕብዎ ሜላ’ዩ። ኣሰጋገርቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰጋራይ ፈለማ ዝኣትዉዎ ስምምዕ ጸኒሖም ኣብ ሞንጎ ጉዕዞ ክቕይርዎ ይረኣዩ’ሞ ተወሳኺ ገንዘብ ክሓቱኻ፡ ምኽፋል እንተኣቢኻ ቀዪዶሙኻ ክጸንሑ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ጸፋጺፎም ግዜን ኩነታት ኣየርን ከየጽንዑ ናብ ሓደገኛ ባሕሪ ክሰዱኻ ኣይእግሞምን።
ስደተኛታትን ሰገርቲን ናብ ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ምሻጥ ፡ ጨዊኻ ናብ ግዱድ ሽቕለት ምውፋር፡ ከምኡ’ውን መቚሕካ ናይ መልቀቒ ገንዘብ ካብ ስድራን መቕርብን ምሕታት ቀንዲ መለለዪ ናይቶም ኣብ ሊብያ ዝነጥፉ ኣሰጋገርቲ እዩ። ኣብ ሊብያ ምስ ኣተኻ ነብስኻ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ክትረኽባን፡ ንዓመጽን ምዝመዛን ክትቃላዕን ልሙድ ነገር’ዩ። ገለ ናብ ዕጡቓት ጉጅለታት ብኣሰጋገርቶም ዝተሸጡ ስደተኛታት ፡ ነቲ እተን ጉጅለታት ዘውጸኣሎም ዋጋ ክኸፍሉ ናብ ባርነት ከምርሑ ይግደዱ። ገለ ድማ ንመቐጸሊ ናይ ባሕሪ ጉዕዘኦም ዝኾኖም ገንዘብ ንምውህላል ኣብ ኣህላኺን ንሂወት ዝፈታተንን ንጥፈት ይኣትው። ደቀንስትዮ ናብ ምንዝርና ደቅተባዕትዮ ድማ ናብ ከቢድ ጉልበታዊ ስራሕ – ማለት’ዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ገንዘባዊ ዕዳኦም ንኣሰገርቶም ወይ’ውን ጨወይቶም ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ስደተኛታት ፡ ውሽጣዊ ናውቲ ኣካላት በትቢቶም ናብ ዝሸጡ ሕሱማት ጉጅለታት እዮም ዝሽየጡ። ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ሰባት ዝነጥፍ ኤርትራዊ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ዕዳኦም ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ስደተኛታት ሻቡ ናብ ነጋዶ ናውቲ ኣካላት ሰባት ዝኾና ዓንኬላት ገበነኛታት ግብጺ ከምዝሽየጡ የረድእ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ዝነጥፉ ኣስገርቲ ዝተዓጻጸፈ እቶት ንምኽዕባት ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ’ተን ኣጻብዕቲ ክልተ ኣእዳው ዝብዝሖም ሰባት ከሳፍራ ዝኽእላ ንኣሽቱ ጀላቡ ጸፍጺፎም ናብ ባሕሪ የፋንው። ብርኡይ ምኽንያት ድማ እተን ጀላቡ ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ነዊሕ ከይረሓቓ ኣብ ሓደጋ ይኣትዋን ሂወት ሓያሎ ስደተኛታት ይጠፍእን። ኣብ 2016 ሂወት 5,000 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ምጥፋኡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ህልቂት ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ኣብ ዘምርሕ ማያዊ መስመር ዝሰዓበ እዩ።