ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር፦ ኤውሮጳ ዝበጽሑ እናቐነሱ ብዝሒ ዝሞቱን ዓመጽ ዝወርዶምን ይውስኽ

ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ቁጽሪ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስድተኛታት እኳ እንተቐነሰ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ጉዕዞ ህይወቶም ዝስእኑ ግና ይውስኽ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ብቐንዱ ብሰንኪ እቲ ዓቢ ምጕዳል ቁጽሪ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ዝበጽሑ ስደተኛታት ዝተራእየሉ ምዕጻው ባሕሪ ኤጀያ፡ ሓፈሻዊ ብዝሒ ናይቶም ኣብ 2017 ብባሕሪ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ምስ ናይ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ 2016 ክወዳደር ከሎ ቐኒሱ እዩ።

ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2016 ክወዳደር ከሎ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ መስመር ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ምውሳኽ ዋሕዚ ስደተኛታት ተራእዩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ሓምለ ንደሓር ቅልጡፍ ምንቍልቋል ብዝሒ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ተራእዩ።

ብዙሓት ካብቶም ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝበጽሑ ጾታዊ ዓመጽ፡ ምጭዋይ፡ ስቅያትን ማእሰርትን ኣብ ሊብያ ዝርከቦ ሓደገኛ ጉዕዞታት ምድረበዳ ዝሓለፉ  ምዃኖም የመልት። ኣብ ባሕሪ ሓደ ኻብ ነፍሲ ወከፍ 39 ሰባት ይመውት።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት እንተወሓዱ 686 ሰባት  ኣብ መንጎ ሊብያን ኢጣልያን ኣብ ዘሎ መስመር ክሞቱ ኸለዉ፡ ኣብ ሰነ ድማ 300 ዝግመቱ ሞይቶም ንጠቕላላ ቑጽሪ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝሞቱ እንተወሓደ 2,171 ኣብጺሖሞ።

እንተዀነ፡ ዝበዝሑ ሰባት ተሓቢኦም ስለዝጕዓዙ እዚ ቑጽሪ እዚ ንምርግጋጹ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ፡ ስለዚ ድማ ሓቀኛ ቝጽሪ ምዉታት ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዝሕሰብ።