37 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ-ሰብ ኣብ ሊብያ ተቀቲሎም

TMP – 26/03/2017

ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ መጋቢት፣ ኣብ ሊብያ ዝነጥፉ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ-ሰብ 37 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዘሰቅቕ ኣገባብ ከምዝቐተሉ  ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ማለት IOM ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ በበይኖም ኣጋጣሚታት ዝተቐትሉ ከምዝኾኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

ወሃቢ ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት ብ 7 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ካብቶም ግዳያት እቶም 22 ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ብዝተኸስተ ብረታዊ ግጭት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ’ቲ ፍጻሜ 100 ካልኦት ከምዝቖሶሉ እዉን እቲ ወሃቢ ቃል ይገልጽ።

እቲ ሂወት 15 ካልኦት ኣፍሪቃውያን ዝወሰደ ካልኣይ ፍጻሜ ድማ ኣብ ማያዊ ገማግም ምዕራባዊት ከተማ ናይ ሊብያ ማለት ሳብራታ  ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት  ንወግዓዊ መግለጺ መርበብ ሓበሬታ ሊብያ ኦብሰርቨር’ መርኲስ ብምግባር ገሊጹ ኣሎ።

ሬሳ ናይቶም ኣካላቶም ብጠያይቲ ዝተበስዐ 15 ስደተኛታት ኣብ ሓደ ጸቢብ ጋህሲ ተጸፍጺፉ ከምዝተረኽበ ኣዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ጠንቂ ሞት እቶም ስደተኛታት ምስ ኣባላት ናይቲ ባሕሪ ከስግሮም ዝወፈረ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንግዲ ደቂ-ሰብ ብጉዳይ ክፍሊት ናብ ጎነጽ ዝማዕበለ ዘይምርድዳኣ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ መርበብ ሓበሬታ ሊብያ ኦብሰርቨር፣ እቲ ካልኣይ ፍጻሜ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ከባቢ 175 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ምንባሮም ፥ ሂወት እቶም 15 ድሕሪ ምጥፍኡ ድማ እቶም ዝተረፉ 160 ናበይ ከምዝተወስዱ ዛጊት ዝተረጋገጸ ንጹር ሓበሬታ የለን።

እዞም ሂወት 37 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ወሲዶም ዝበሃሉ ዘለዉ ክልተ ፍጻሜታት፣ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ማያዊ ገማግማት ሊብያ ብማዕበል ተገፊዖም ዝተረኽቡ ሬሳ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ልዕልኢ 140 በጺሑ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን እዩ ዘጋጥሙ ዘለዉ። ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ መጋቢት ዝዘርግሖ ጸብጻብ ከምዘረድኦ፣ ካብቶም ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ሂወቶም ስኢኖም ዘለዉ ከባቢ 550 ስደተኛታት፣ እቶም ልዕሊ 480 ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሱ ከምዝኾኑ እዩ።

ኣብ ሊብያ ንከባቢ 6 ዓመታት ሰሪቱ ከምዘሎ ዝንገረሉ ስርዓተ-ኣልቦነትን ንሱ ዘንቀሎ ውድቀት ዘቤታዊ ጸጥታን ንልዑል ስሳኔ ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ስቡሕ ባይታ ፈጢሩ ከምዘሎን፣ ብመንገዲ እታ ሃገር ናብ ኤውሮጳ ከምርሑ ኣብ ልዕሊ ዝህቅኑ ስደተኛታት ዝወርድ ኣካላውን ገንዘባውን ምዝመዛ ቀይዲ ተሳኢንዎ ምህላዉን’ዪ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ዝኣምን።