ብመንገዲ ኒጀር ናብ ሊብያ ዘብል ዋሕዚ ስደተኛታት ይጎድል

ኢውሮጳዊ ሕብረት ፡ ኒጀር ኣንጻር ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰባትን ዋሕዚ ስደትን ንምግታእ ዘኽእላ ገንዘባዊ ሓገዝ ክህብ ድሕሪ ምምብጻዑ፡ ቊጽሪ’ቶም ካብታ ሃገርን ብመንገዳን ንሊብያ ዝሰግሩ ስደተኛታት የንቆልቁል ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ፡ ኣብቲ ልዑል ዋሕዚ’ቶም ናብ ሊብያ ዘብሉ ዜጋታት ኒጀር ዝረኣየሉ ዝነበረ ምብራቓዊ ክፋል ክምዝገብ ዝጸንሐ ቊጽሪ ካብ 2016 ጀሚሩ እንዳጎደለ ይመጽእ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብመንገዲ’ታ ቀንዲ መተሓላለፊት ዝኾነት ከተማ ሰጒዲን ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳዕ ታሕሳስ ናይ 2016 292,000 ሰባት ናብ ሊብያ ከምዘምርሑ ከም ኣብነት ዝጠቐሰ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ክልተ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ’ዚ ዓመት ግና 8,700  ጥራይ ብመንገዲ እታ ከተማ ከምዝሰገሩ ይሕብር።

ቊጽሪ ናይተን ኣሰጋገርቲ ከም መናሃርያ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ከም ኣጋደዝ ዝኣመሰላ ከባቢታት ኒጀር እውን ብርኡይ ከምዘንቆልቆለ ፡ ሓላፊ ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣብታ ሃገር ዝኾነ ጂዩሰፐ ሎፕረት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ ኣሎ።

“መንግስቲ ኒጀር ኣሰጋገርቲን እቶም ኣሰጋገርቲ ዝጥቀሙሉ ትሕተ ቅርጽን ኣብ ምቕያድ ይሰርሕ ስለዘሎ፡ ኣብ’ዚ ዓመት ካብ ሃገሩ ዝብገስ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብናይ ዝሓለፈ ዓመት ጎዲሉ ኣሎ፡” ይብል እቲ ሓላፊ ጨንፈር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት።

ብመንገዲ ኒጀር ዘብል ዋሕዚ ስደትኛታት ጎዲሉ ማለት ግና ቊጽሪ’ቶም ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ናይ ኤውሮጳ ዘብሉ ስደተኛታት ኪጎድል ማለት ከምዘይኮነ እዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝገልጽ ዘሎ። እቲ ምኽንያት ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ድሮ ኣብ ሊብያ ስለዘለው እዩ።

ብዘይካ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዛጊት ን ኒጀር ሂብዋን ንመጻኢ ተመባጺዑላን ዘሎ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ኤሮ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ሃገራት ኤውሮጳ እዉን በብውልቀን ይመባጽዓን ይሕግዛን ከምዘለዋ እዩ ዝንገር። ዝሓለፈ ዓመት ፡ ጀርመን ኣብ ኒጀር ንዝሰፍሕ ዘሎ ንጥፈታት ኣሰጋገርቲን ነጋዶን ደቅ-ሰብ ንምቅላስ 77 ሚልዮን ኤሮ ምምብጻዓ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት እውን ጥልያን 50 ሚልዮን ኤሮ ክትልግስ ተመባጺዓ ኣላ።

ዛጊት ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዝተረኽበ ገንዘባዊ ሓገዝ ፡ ካብን ብመንገዲን ኒጀር ክሰግሩ ዝምድቡ ስደተኛታት ዝዕቆቡለን ዝምገቡለን ኣማስያኡ ድማ ነናብ ዝመጽኡሉ ከባቢን ሃገርን ንኽምለሱ ነጻ ናይ መጓዓዝያ ኣገልጉለት ዝረኽቡለን ብኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝመሓደራ 5 ማኣከላት ድሮ ተዶኲነን ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ 2016 ከባቢ 5000 ካብ ምዕራባዊ ክፋላት ኣፍሪቃ ናብ ኒጀር ዝበጽሑ ስደተኛታት ብመንገዲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ከምለሱ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ’ውን ዛጊት 1,500 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ኒጀር ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።

20/05/2018