ሕብረት ኤውሮጳ እገዳ ናብ ሊብያ ዝሽየጣ ጃላቡ ኣጽዲቑ

ኣሰጋገርቲ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ስደተኛታት ከሰጋግሩ ዝያዳ ኣጸጋሚ ንምግባሩ ብምዕላም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንኣባላት ሃገራት ዝንፍሓ ፕላስቲክ ጃላቡን ተለቃቢ ናይ ደገ ሞተርን ናብ ሊብያ ኸይሽየጥ ክዓግታ ኣፍቂዱ።

እቲ ሓሳብ ኣብ ፈለማ ሰነ ብማልታ ዝቐረበ ዀይኑ፡ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት 28 ኣባላት እቲ ሕብረት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝኸይድ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ብሓባር ርዒሞሞ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣባላት ሕብረት ኢውሮጳ ዝዀና ሃገራት እቲ ንብረት ኣሰጋገርቲ ንዘይሕጋዊ ንጥፈታት ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ምኽኑይ ዝዀነ ጥርጠራታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ናብ ሊብያ ዝግበር መሸጣ ጃላቡ ክዓግታ ይኽእላ። እቲ እገዳ ብሕብረት ኤውሮጳ ንዝሓልፋ ጃላቡውን ይምልከት።

ብመሰረት እቲ ሕጋዊ ምምርሒ ኣሰጋገርቲ ሰባት ካብ ሊብያ ስደተኛታት ንምስግጋር ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ዝግመት ኣቕሑ ቅድሚ ናብ ዓደግቲ ምልኣኹ ካብ ዝምልከቶም ሰብ መዚ መንግስቲ ፍቓድ ከድልዮ እዩ።

“ካብ ሎሚ ንደሓር ምልኣኽን ምቕራብን ተነፋሕቲ ፕላስቲክ ጃላቡን ሞተራትን ናብ ሊብያ ኸይከዱ ዝኽልክል ማዕቀባት ከነተኣታቱ ወሲንና፡” ትብል ሓላፊት ፖሊሲ ወጻኢ እቲ ሕብረት ፈደሪካ ሞገሪኒ።

“እዚ ኣቕሑ እዚ ኣሰጋገርቲ እዮም ስደተኛታት ዝግዕዙሉ። እዚ ብደረጃ ሕብረት ኤውሮጳ ዝወሰድናዮ ስጕምቲ ንህይወቶምን ንስርሖምን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኽገብሮ እዩ፡” ትብል ሞገሪኒ።

ብሕብረት ኤውሮጳ ዝወጸ ነዚ ዝምልከት መግለጺ፡ እቲ እገዳ ነቲ ናብ ገፈፍቲ ዓሳን ናብ ካልኦት ኣብ ግቡእ ጥቕሚ ዘውዕልዎን ወገናት ንዝኸይድ ንብረት ከምዘይምልከት የረድእ።