11 ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም ቱርኪ ሞይቶም
TMP – 21/04/2017
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት ፡ 22 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ማያዊ ገማግም ከተማ ኩዛዳዚ ናይ ቱርኪ ዝተበገሰት ጃልባ ነዊሕ ከየርሓቐት ብምጥሓላ፡ 11 ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑን ሃለዋት ናይ 4 ካልኦት ከምዝጠፍአን ካብቲ ከባቢ ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ቱርኪ፡ 5 ህጻናትን ክልተ ደቅንስትዮን ካብቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ከምዝኾኑ ፥ ምስቶም ብሂወት ዝደሓኑ 7 ካልኦት ዝጸንሑ 2 ኣሰጋገርቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ከምዝኣተው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ዜጋታት ሶርያ ከምዝኾኑ ዝገለጻ እተን ማዕከናት ዜና፡ ካብ ማያዊ ገማግም ቱርኪ ተበጊሶም ናብ ደሴታት ግሪኽ ክኣትው መደብ ዝነብሮም ከምዝኾኑ ሓቢረን።
ሬሳታት እቶም ግዳያት ብማዕበል ተገፊዑ ኣብ ገማግም እታ ከተማ እንዳተኣከበን፡ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ደሃዮም ንዝጠፍኡ ካልኦት ግዳያት ንምርካብ እንዳነጠፉን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን ቱርኪ ከምዝተፈነወ ዘመልከቱ ጸብጻባት ፥ ካብቶም ብሂወት ዝደሓኑ ሓደ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ጥዕና ዝበጽሐ ህጻን ከምዝርከቦም ንመግለጺ ኣማሓዳሪ ከተማ ኩዛዳዚ ብምጥቓስ ሓቢረን።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቶም ካብ ቱርኪ ተበጊሶም ብመንገዲ ደሴታት ግሪኽ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ምስ መንግስቲ ኣንካራ ዝኣተዎ ስምምዕ ዓመቱ ኣቚጺሩ እኳ እንተሃለወ ፣ ሓያሎ ስደተኛታት ነቲ ሓደጋታት ዝበዝሖ መስመር ካብ ምጥቃም ከምዘየዕረፉ እዩ ዝንገር።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ