ሊብያ፥ ስደተኛታት ብምስቓይ ዝተጠርጠሩ ገበነኛታት ናብ ቀይዲ
ስእሊ፥ ዘ ታይምስ። ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደ ካብ ሞዳጎኒ ማእከላት ከተማ ትሪፖሊ ናይ ሊብያ
ኣባላት ናይቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት ሊብያ እንዳገረፈን እንዳሳቐየን ዘልዓሎም ተንቀሳቐስቲ ስእልታት ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ወርሒ ጥሪ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሐ ጉጅለ ገበነኛታት ምኻኖም ዝተጠርጠሩ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተው ሚኒስትሪ ውሻጣዊ ጉዳያት ሊብያ ሓቢሩ።
ምስ’ቲ ወግዓዊ ደገፍን ተፈላጥነትን ውድብ ሕቡራት ዘለዎ ሓድነታዊ መንግስቲ ሊብያ ከምዝደናገጽን ዝደጋገፍን ዝንገረሉ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ’ዩ ነቶም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ዘሎ። እቲ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ናይ መባደሊ ገንዘብ ዝሓቱ ጨወይቲ ንሱዳናውያን ስደተኛታት ብሕሱም መግረፍቲን ቃጸሎን እዳሳቐዩ ዘርእይ እዩ ነይሩ።
“ድሕሪ’ቲ ተርእዮ ምስ ስድራቤት እቶም ዝተጨውዩ ግዳያት ብምዝርራብ ንኣበየ-ህላዌ እቶም ገበነኛታት ብዝምልከት ሓበሬታ ክንእክብን ከነጽንዕን ኢና ወሲንና፡” ይብል ፍሉይ ክፍሊ ምክልኻል ገበን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ’ቲ ኣብ ወግዓዊ መርበባት ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ዘስፈሮ መግለጺ።
ብመሰረት ሓበሬታ ጋዜጣ ሊብያ-ሀራልድ ፡ ብ ‘ሓይሊ ድሕነትን ምክልኻልን ሲርት’ ዝጽዋዕ ዕጡቕ ጉጅለ ነቶም 5 ሊብያውያንን 1 ፍልስጤማውን ከምዝኾኑ ዝተነግረሎም ጥርጡራት ‘ቃዳሒያ’ ኣብ ዝበሃል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ሲርት ዝርከብ ከባቢ ከምዝቐየዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ነቲ ቀይዲ ዘተግበረ ጉጅለ ሓደ ካብቶም ምስ ሓድነታዊ መንግስቲ ሊብያ ተሓጋጊዞም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንጥሩፋዊ ጉጅለ ዳዒሽ ካብ ከተማ ሲርት ዘሳጎጒ ምዃኑ ይግለጽ።
‘ሓይሊ ድሕነትን ምክልኻልን ሲርት’ ኣብቲ ዘካየዶ ስርሒት ኣብ ኢድ እቶም ጥርጡራት ዝጸንሑ 8 ግዳያት ነጻ ከምዝወጽኡ፡ ኣብ ከተማ ሲርት ኣብ ዝርከብ ኢብን-ሲና ዝበሃል ሆስፒታል ተዓቚቦም ድማ ሕክምናዊ ረድኤት ይረኽቡ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ፈለማ መዓልታት ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ውሑዳት ኣዋርሕ ድሕሪ’ቲ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ስደተኛታት ኣብ ሊንያ ብትሕቲ 400 ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ቃልዕ ዕዳጋታት ከም ባራዩ እንዳተሸጡ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ድሕሪ ምፍናዋ እዪ ።
እቲ ብ ስኤንኤን ዝተዘርገሐ ስእሊ ሻቡ ኣህጉራዊ ኩነኔ ከበርኽን ኣማኢት ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ክደፍእን ገይሩ ኣሎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ