ኮሚሽን ኤውሮጳ ክጥረዙ ዝተወሰነሎም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሑ ይጽውዕ
TMP – 26/03/2017
ኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ዑቕባ ጠለባቶም ተነጺጉ ክጥረዙ ንዝጽበዩ ስደተኛታት ቀይደንኦም ኽጸንሓ ዝጽውዕ እማመ ኣቕሪቡ ምህላዉ ካብ ከተማ ብራስለስ ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።
ኮሚሽነር ስደት እቲ ኤውሮጳዊ ኣካል ዲሚትሪስ ኣቭራሞፖሎስ ብ 28 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቶም ጉዳዮም ዝነጸግኦ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ሕብረት ከየምልጡ ክሳዕ ዝጥርዝኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከጽንሐኦም እዩ ጠሊቡ ዘሎ። እተን ኣባላት ሃገራት ነቶም ዝተነጽጉ ሓተቲ ዑቕባ ክሳዕ 18 ኣዋርሕ ክቕይደኦም ከምዝኽእላ’ዉን እቲ ኮሚሽነር ጠቒሱ ኣሎ።
እቲ ኮሚሽነር ነቲ ተረርቲ ስጒምቲታት ዝሓዘለ ዘይቀያዲ እማመ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ዘቕረበሉ ኣጋጣሚ፣ ብዝሒ ናይቶም ጉዳዮም ስለዝተነጽገ ነናብ ሃገሮም ዝጥረዙ ሓተቲ ዕቕባ ክዛይድ ግቡእ ከምዝኾነ ፤ ዕላማ ናይ’ቲ ኮሚሽኑ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ኣማመ ድማ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምጉዳልን ፣ ጸጥታዊ ድሕነት ዘየድልዮም ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ክጸንሑ ፍቚድ ከምዘይኮነ ንምእማንን ከምዝኾነ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ክዉንነት ንሱ ክሳዕ ዝኾነ ድማ ሰባት ሂወቶምን ንዋቶምን ዝሓትት ኣጸጋሚ ጉዕዞ ሓሊፎም ናብ ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ከምዘየምሕረሎም እዉን እቲ ኤውሮጳዊ በዓል ስልጣን የዘኻኽር።
ኮሚሽነር ኣቭራሞፖሎስ ወሲዂ፣ ጉዳዮም ዝተነጽገ ሓተቲ ዑቕባ ዝቕየዱሉ ማእከላት ንሰብኣዊ ክብረቶም ዘየሕስር ትሕተ-ቅርጺ ክስረዓሎም ከምዝኾነ የረድእ።
እዋናዊ እማመ ኮሚሽን ኤውሮጳ፥ ዝተነጽጉ ሓተቲ ዑቕባ ንጉዳዮም ይግባይ ዝብልሉ ናይ ግዜ ገደብ ምሕጻር፣ ክጥረዙ ንዝተወሰነሎም ስደተኛታት ብዘይ ስሩዕ ናይ ግዜ ዕድል ናብ ሃገሮም ምምላስ፣ ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ጉዳዮም ዝተነጽገ ትሕቲ ዕድመ ሓተቲ ዕቕባ ኣብ መጻንሒ ቦታ ክቕየዱን ሻቡ ክጥረዙን ዝብሉ ምሕጽንታታ ኣስፍሩ ከምዘሎ ኣዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኮሚሽን ኤውሮጳ ብትወሳኺ ንወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ዘሐይሉ መደባት ኣብ ምስራዕ ኣድሂቡ ከምዘሎ፥ ናይዚ ቀጥታዊ ኣብነት፣ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ይሰላሰሉ ንዘለዉ መደባት ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክህቦ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ሓገዛት ኣዛዪድዎ ከምዘሎ ይንገር
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ