መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ሕጊ ስደተኛታት ከማሕድሩ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ጸዊዑ
TMP – 05/04/2017
ስራሕ ንምድላይ ዝስደዱ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብን ናብን ሃገራት ኣህጉሮም ብነጻ ክንቀሳቐሱ ዘክእሎም ሕጋዊ መሳርዕ ክዉን ክግበር ከምዝግባእ፡ ሓደ ኣባል ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ማለት IOM ንመንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዑ።
ነቲ ጻውዒት ዘቕረበ ኣሮን ተኽለዝጊ ዝተባህለ ኣባል ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ጭንፈር ኢትዮጵያ ፡ ንስደት ዘብሉ ዘለው ኣፍሪቃውያን ክሳዕ ክንደይ ካብ ሃገሮምን ኣህጉሮምን ከየርሓቚ ክናበሩ ከምዝደልዩ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ውሽጢ ኣህጉሮም ብነጻ ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ባይታ ዘይተፈጥረ፡ ኤውሮጳ ነቶም እቲ ባይታ ተሓሪምዎም ዝስደዱ ዘለዉ ወገናት ክትቅበል ክትጽበ ጌጋ ከምዝኾነ የተሓሳስብ።
እቲ ኣባል ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ነቲ ጻውዒት ዘቕረበ፣ ዘይሕጋዊ ስደትን ክውን ሳዕቤናቱን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንዘዳለዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ብመጽናዕታዊ ትካል ቊጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ቀርኒ ኣፍሪቃ (HESPI) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢትዮጵያ ብ 10 መጋቢት ዝተወደበ መድረኽ ኣብ ዝቕረበሉ ኣዋን’ዩ።
“ንዝስደዱ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ዘርብሕ ሕጋውን ንኡስ ወጻኢታት ዝሓትትን መንገድታት ክሳዕ ዘይሰራዕና፡ ሰባት ነቶም ሓደጋታት ከምዘለውዎም ዝርዳዎም ካልኦት መንገዲታት ክመርጹ’ዮም፡” ይብል ኣቶ ኣሮን።
ጻውዒት’ቲ ኣባል ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ብቐንዱ ናብ ሸሞንተ ኣባል ሃገራት ውድብ ኢጋድ ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ሰሜን ሱዳን ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማል፡ ኡጋንዳን ኬንያን ዘነጻጸረ’ዩ። እተን ኣባል ሃገራት ካብ ገዘፍቲ ምንጪ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ከምዝኾና እዩ ዝንገር።
ሰንዳት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ከምዘነጽርዎ፡ኣባላት ሃገራት ውድብ ኢጋድ ንከባቢ ሸሞንተ ሚልዮን ስደተኛታት ዓልምና ከምዝዉክላ’ዩ። ካብዚኣቶም 5.6 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ ኣቶም ዝተረፉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት፥ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ወሽመጥ፣ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝተሰደዱ እዮም።
ነቲ ጻውዒት ዝሓዘለ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናይ ዘአንገደ መጽናዕታዊ ትካል ቊጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ቀርኒ ኣፍሪቃ (HESPI) ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን፡ ልዑል ዕቤት ፍቕዲ ህዝቢ ፣ ትኹላዊ ሕምባበ ስራሕ ኣልቦነትን ዘይርቡሕ ዕዮን ኣብ መናእሰያት ኣባላት ሃገራት ኢጋድ እቶም መሰረታውያን ጠንቅታት ስደት ኮይኖም ከምዘለው ኣዘኻኺሩ።
ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት፣ ስራሕ ዘናድዩ ዜጋታት ኣባላት ሃገራት ሕብረቱ ኣብ ውሽጢ እታ ኣህጉር ነጻ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ክህልዎም ዘኽእሉ መደባት ኣብ ምቅናዕ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ኣማኻሪ ንጉዳይ ስደት ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፔተር ሙዱንግወ ኣብቲ ብመጽናዕታዊ ትካል ቊጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ቀርኒ ኣፍሪቃ (HESPI) ዝተኣንገደ መድረኽ ተረኺቡ ከምዘነጸሮ፥ ስራሕ ዘናድዩ ኣፍሪቃውያን ኣብ ውሽጢ ኣህጉሮም ብዘይ ጸገም ክንቀሳቐሱ ዘኽእሎም ናይ 10-ዓመት መደብ ኣዳሊዩ ከምዘሎን ፡ እቲ መደብ ክሳዕ ቀረባ ኣዋርሕ ናይ ዝመጽእ ዓመተ 2018 ብመራሕቲ ኣባል ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክጸድቕ ተተሊሙ ምህላዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ