ኢትዮጵያ ንስደተኛታት እትገብሮ ደገፍ ተዕብይ

ስእሊ፥ ኤይድ ቱ ዘ ቸርች ኢን ኒድ ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ብጉዳይ ስደተኛታት ዝተቓንዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዝተኣትዉ 9 መብጸዓታት ተግባራውነቶም ንምውሓስ ከኽእል’ዩ ዝበለቶ ‘ኣጠቓላሊ መርሓ ንጠለብ ስደተኛታት’ Comprehensive Refugee Response Framework (CRRF) ብወግዒ ከምዘበገሰቶ ገሊጻ።

ብመንገዲ እቶም መብጸዓታት ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ስደተኛታት ነብሶም ዝኽእልሉ፡ ምስ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ተወሃሂዶም ክነብሩን ኣብ ልምዓታዊ መደባት ክጽንበሩን ኣብ ምሕጋዝ ክትጽዕት ምዃና’ዩ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ‘ረሊፍ-ዌብ’ ጠቒሱ ዘሎ።.

ካብ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሶሎሙን ተስፋየ ከምዝሓበሮ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣተሓሕዛ ብምቕያር ፡ ንስደተኛታት መዓስከራት ካብ ምህናጽ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ተገላጊሎም ምስ’ቲ ኣዕቚቡዎም ዘሎ ህዝብን ሃገርን ተላፊኖም ናብራኦም ክመርሑ ኣብ ዘኽእልዎም ኣማርጺታት ይጽዓት ምህላው ኣረዲኡ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕጾኡ ንስደተኛታት ምኽፋት ዝቕጽሎ ኮይኑ፡ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ጥራይ ክድረቱ ከምርሕ ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣብ ዝመጽኡ 10 ዓመታት ከምዝዘልቕ ጌርካ፡ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ምስ ማሕበረሰባት ኤትዮጵያ ዝወሃሃዱሉ መንገድታት ይስረሓሎም ኣሎ፡” ይብለ ኣቶ ተስፋየ።

ኤትዮጵያ ኣብ’ቲ መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ብጉዳይ ስደተኛታት ዝተቓንዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ተሳቲፋ ነቲ ዋዕላ ተኸቲሉ ዝተኸተመ ኣዋጅ ኒው-ዮርክ ድሕሪ ምቕባላ፡ መነባብሮን ድሕነትን ስደተኛታት ንምምሕያሽ – ዕድላት ስራሕ ነቶም ስደተኛታት ከተስፍሕን ኣገልግሎት ክብሪ መዝገም ክፉት ክትገብርን ከምዝተራእየት ይሕበር።

ዳይረክተር ሓይሊ ዕዮ ኣጠቓላሊ መርሓ ንጠለብ ስደተኛታት (CRRF) ኣቶ ዳንኤል እንድረስ ከምዝሓበሮ’ውን፡ እቲ ሓድሽ መርሓ ንሂወት ስደተኛታት ብርኡይ የመሓይሽ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ዕድላት ትምህርቲ ንቆልዑ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት ክብሪ መዝገብ ንስደተኛታት ገለ ካብ’ቶም ረብሓታት ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕትኦም ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፡ ሶማል፡ ኤርትራን ሱዳንን ምዃኖም ዝንገረሎም ልዕሊ 850,000 ስደተኛታት ምህላዎም ሰነዳት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የርድእ።