ካብ ሚያዝያ ንደሓር ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ምድረበዳ ኒጀር ድሒኖም

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም) ብ9 ነሓሰ፡ ብናይ ምድላይን ምድሓንን ወፈራታቱ ካብ ሚይዝያ ንደሓር 1000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ከምዘድሓነ ገሊጹ።

ኣሰጋገርቲ ተደጋጋሚ እዋን እዮም ነቶም ዘስግርዎም ስደተኛታት ኣብቲ ናብ ኤውሮጳ ብሓደገኛታት ጃላቡ ንኽብገሱ ናብ ሊብያ ዘሕልፍ ምድረበዳ ሰሜን ኒጀር ራሕሪሖሞም ዝስወሩ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ካብታ ኣቐዲማ ቀንዲ መናሃርያ ኣሰጋገርቲ ዝነበረት ኣብ ሰሜን ኒጀር እትርከብ ከተማ ኣጋዴዝ ዝብገሱ ኣሰጋገርቲ እናወሓዱ፡ ንኸተሓዙ ካልእ ዝያዳ ኣጸጋሚ ዝዀነ ናይ ምድረበዳ መስመራት ይኽተሉ ኣለዉ።

“ኣሰጋገርቲ ነተን ቀንዲ መናሃርያታት፡ ኬላታትን ነቝጣታት መቀኡጻጸሪ ድሕነትን ከወግዱ ዝያዳ ሓደጋ ዝበዝሖ መስመራት ይኽተሉ ኣለዉ፡” ይብል ኣልቤርቶ ፕሬያቶ፡ ሓላፊ ኣይ ኦ ኤም ኣብ ኒጀር።

“እንተዀነ ግን መካይን ይስበራ፡ ዘወርተን ይጠፍኡ፡ ስደተኛታት ይርሕርሑ… ጽንኩር ኩነታት እዩ። ስደተኛታት ‘እዚ ምድረበዳ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝዓቢ መቓብር እዩ’ እዮም ዝብሉ፡” ይብል ፕሬያቶ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ፡ ኣይ ኦ ኤም ምስ ክፍሊ በርጌሳዊ ድሕነት ኒጀር ብምትሕብባር 1,400 ኪሎሜተር ምድረበዳ ሰሜን ኒጀርን ምስ ሊብያ ዘዳውብ ከባብን ኣብ ዝሽፍን ከባቢ መጽናዕቲ መገድታት ስደት ኣካይዱ።

“ካብቲ ጥቓ ዶ ሊብያን ኒጀር ዝዀነ ከባቢ ቶውሞ ምስበጻሕና ብዙሓት ካብ ናይጄርያን ጋናን ዝተበገሳ ኣንስቲ ኣብ ጥቓ እቲ ነቝጣ ዶብ፡ ኣብ ሓደ ጸልማት መኽዘን እናደቀሳ እቲ ዝስዕብ ምዕራፍ ጉዕዞአን ክጽበያ ምስረኣኹ ኣዝየ እየ ኣስካሕኪሐ፡” ይብል ፕሬያቶ።
ኣብዚ እዋን ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድረበዳ ዝሞቱ ስደተኛታት ብዛዕባ ቝጽሮም ዝምልከት ንጹር ጸብጻብ የለን።

“እቲ ምድረበዳ ኣዝዩ ገፊሕ ስለዝዀነ … ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ መገዲ ይሞቱ ኸምዘለዉ ምፍላጥ ኣይከኣኣልን እዩ፡” ትብል ኣፈኛ ኣይ ኦ ኤም ኦሊቭያ ሄደን። ወሲኻ፡ “እቲ ቝጽሪ ግን ብኣሽሓት እንተዘይኰነ ብርግጽ ብኣማኢት እዩ፡” ትብል።

ኣብቲ ኣብ ዝቐረበ ግዜ ኣብ ኒጀር ብኣባላት ኣይ ኦ ኤም ዝተኻየደ ናይ ምድላይን ምድሓንን ወፈራ፡ 23 ጋምብያውያንን ሴኔጋላውያንን፡ ጓል 7 ዓመት ህጻን ጓል እትርከቦም፡ መራሕ መኪና ራሕሪሕዎም ዝኸደ ስደተኛታት ኣድሒኖም።

“ሰንሰለታት ኣጋየሽትን ኣሰጋገርትን ከመይ ከምዝተኣሳሰሩ ብዝበለጸ ክንርዳእን ሓበሬታ፡ ሓገዝን ኣማራጺታት ንስደትን ክንቅርብ ምእንቲ ኽንክእል ኣብዚ ርሑቕ ቦታታት ንዘለና ህላወ ከነዕብዮን የድልየና እዩ፡” ይብል ኣልቤርቶ ፕሬያቶ።