ጥልያንን ናይ ደቡብ ሊብያ ቐቢላታትን ዋህዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ይሰማምዑ
TMP – 16/04/2017
ልዕሊ 60 መራሕቲ ቐቢላታት ምድረበዳታት ደቡብ ሊብያ ከም ኣምሳያ ዝጠለብዎ ረድኤትን ልምዓታዊ ሓገዝን ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዘምርሐ ዋሕዚ ስደተኛታት ክዓግቱ ተሰማሚዖም።
እቲ ስምምዕ ምስታ ካብ ገማግም ሊብያ ናብ ማእከል ኤውሮጳ ኽበጽሑ ንዝደልዩ ስድተኛታት መሰጋገሪ ዀይና ዘላ ጥልያን እዩ ተፈሪሙ። ኣብ ፌዛን ዝርከቡ ቐቢላታት ከም ክፍሊት ናይቲ ነቲ ዘዳውብዎ 5,000 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ምድረበዳ ካብ ስደተኛታት ነጻ ኽገብርዎ ዝተመባጽዕዎ ጥልያን ትሕተቕርጺ፡ ዕድላት ስራሕን ማህደረትምህርትን ኽትቅርበሎም እያ።
እቲ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ርክብ ብሚኒስተር ውሽታዊ ጉዳያት ማርኮ ሚኒቲ ዝተወሃሃደ ዀይኑ 60 መራሕቲ ቐቢላታት ኣብ መንጎ ቐቢላታቶም ስምምዕ ሰላም ክበጽሑ ዝዓለመ እዩ።
ሚኒቲ፡ “ደቡባዊ ዶባት ሊብያ ምሕላው ደቡባዊ ዶባት ኤውሮጳ ምሕላው ምዃኑ፡” ከምዝተኣማመን ገሊጹ።
ካብ ቀቢላታት ትዋረግ፡ ቴቡ ከምኡውን ኣውላድ ሱሌይማን ዝመጹ መራሕቲ ካብ ጥልያን ዝልገሰሎም ሓገዝ ክሳብ ዘየቋረጸ ነቲ 5,000 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ቀንዲ ናይቶም ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት መተሓላለፊ ዝዀነ ምስ ኒጀር ዘዳውብ ሸነኽ ደቡብ ሊብያ ክልኵትዎ ኸምዝኽእሉ ርግጸኛታት እዮም።
እቶም መራሕቲ ቐቢላታት ካብቲ ሙዓመር ቐዛፊ ካብቲ ኣብ ቀውዒ 2011 ካብ ስልጣን ዝተኣልየሉ ግዜ ካብ ምስግጋርን መሸጣን ደቂሰብ ክኸስቡ ኸምዝጸንሑ ሓደ ኻብ መራህቲ ቐቢላ ቴቡ መሓመድ ሓይ ሳንዱ ገሊጹ።
ወሲኹ “ንመብዛሕትና መተሓላላፊ ምስላጥ ምንጪ ኣታዊና እዩ ኹይኑ። ቁጠባ ኣብ ምውዳቕ እዩ ዘሎ። 15% ዝኸውን ካብ ህዝብና ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት እዮን ዝሰርሑ። ቀንዲ ምንጪ ኣታዊና እዩ፡” ይብል።
“መብዛሕትኦም መንእሰያትና ተስፋ ዘይብሎምን ኰይኖም ተሪፎም ኣሳለጥቲ ሕቡእ ስደት እዮም ኰይኖም። ጥዑይ ስራሕ እንተረኺቦም ግና ኽገድፍዎ እዮም። ረድኤትን ልምዓትን እንተረኺብና ነቲ ስራሕ ክንገድፎ ድልዋት ኢና። ነቲ ዶብ ክሰግሮ ዝኽእል ፈጺሙ ኣይምተረኽበን።”
ቀንዲ ተንታኒ ናይቲ ኖርዝ ኣፍሪካ ኮንሳልቲንግ ዝበሃል ናይ ምርምር ትካል ዝዀነ ጆፍ ፖርተር ሓገዝ ናይቶም ቀቢላታት ዕዉት ከምዝኸውን ይኣምን። “እዞም ቀቢላታት ነዚ ዶብ ክሕልውዎን ካብ ደቡብ ዝመጹ ስደተኛታት ክዓግቱን ዓቕሚ ኣለዎም፡” ይብል።
“5,000 ኪሎሜተር ድኣ ይኹን እምበር ሰፊሕ ክፋላት ናይቲ ምድረበዳን ኣኽራንን ሰብ ክሓልፎ ዘይክእል እዩ፡” ክብል ይውስኽ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ